============
እቱ ጸሊምን ጻዕዳን ሕብራዊ ምሥልታት
እናሻዕ ዝቕየር፣ ዕድመ ፍጻመታት፣
ኣሣእል ንእስነት፣ ገንጺለ ገናጺለ
ገለስ ትርጒም ረኺበላ ሎሚ፣ ገለ ኮዊነ ገለ፣
እዋይ ከም ገለ ገለ ...........
ገማጢለዮ ኣብ ዝባኑ ዝገደደ
ርእሰይ ድሕሪት ገጹ ዝሰደደ።
ዝባን ሥእልታተይ ...........
ዝባን ሥእልታተይ ዘሎ መዘከርታ
ናይ ንእስነት እዋን ገና ኣብ መፈለምታ፣
ዝደረቐ ዕላል ዘይጠፍእ ክምስታ
ናይ ዓርከ መሰታ፣ ናይ ዓርከ መሰታ ፈጢሩ ትዝ