top of page

ማመት!ማመት!

Writer's picture: The Gee'z TimesThe Gee'z Times

Updated: Nov 24, 2019

ማመት ጓለቦይ ጸባኡ

ሓደ ፈርጊ ሓደ ቅራናኡ

ሓደ ጣዕዋ ሓደ ዝራብዑ

ሓደ ያሒት ሓደ ገብታኡ

ሓደ ፈርጊ ሓደ ቅራናኡ

መንግስተ ሰማያት ከምዘቦኡ።

ማመት ጓለቦይ ሰንሰለት

ወሽፍ 'ያ ጡብ ዘይተኸለት

ገልገል 'ያ ልጓም ዘየልዓለት

ኩናት ጋዞ ናይ ሓማሴን ስሕለት

ዘይትሰትዮ ስዋ ዳርጋ ሓሬት

ዘይትበልዖ እንጌራ ዳርጋ መሬት

ወርሒ ጠፍአት ጸሓይ ደም መሰለት

ዓይነይ ዘወረት ልበይ ኣስፈለለት

ከይንረኽባ ሩባ ተሳገረት

ከይንርእያ ገረብ ተኸወለት።

ማመት ማመት ስኒ ረጾ

ከናፍራ ከም መዓር እምጾ

ሰለፋታ ከውሒ መንደልሕጾ።

ጓል እገላ ጓል ዕዳጋ ረቡዕ

ውሰድዮ እቲ ዓጓ ዝራብዕ

ጸጉሪ ርእሳ ኣዳጉር የሕብእ

ቅርኒብ ዓይና ድብኦ ማይ የድብእ፡

እንጉይ እንጉይ ወድኡና ኣዛብእ

እቲ ማዕጾ ኣብልዮ ኣግባእብእ

እንተ ኣነ ኣይርእን መን ይኣቱ መን ይገብእ፡

ማመት ጓል ጸባኡ ነብሪ

ከም ኳደረ ለይቲ ተዛውሪ

ከም ወደባይ ለይቲ ተናግሪ

ሳግላ ይመክን ኣፈኬሜ ይፈሪ

ዕስራ ናብ ቤት ሰላሳ ናብ ቁሪ

ከም ምሕዳርና ኣሕድርና እምበሪ

ሓንቲ ወገን ማይ ንወርድ ሓንቲ ወገን ዕንጸይቲ ንኣሪ፡

ከም ናትና እዝጊ ትቐትሊ ትምሕሪ

ጓል እገላ ጓል እምባ ኣያይ ኣንቀፉ ጸጉሪ

ርእሳ ባላ መደገፉ

ቅርኒብ ዓይና ኩሕሊ መራግፉ

እንካን ዓለም ኣቅሽሽቲ ሓነፉ።

ጓል ጨዓሎ ጓል ሩባ ሃዳድም

ቆቛሕ ኩኒ ክኸውን ጽግድም

ሒዘኪ’ዶ ናብ በረኻይ ክሃድም።

ጓል መረታ ጓል ሩባ ሰበነ

ትኾብለይ ማርያም ትሃብክነ

ቀደምን ሎምን ኣይፈልጥን ለሚነ።

ጓል እገላ ጓል እገላ ሓጺን

ኣፋ መጣቐሻ ልባ ሳጹን

ናብ 'ቦኺ 'ዶ ናብ 'ዴኺ ክምሕጸን

ገዛ ከይበጻሕኩስ ኣይቀብጽን።

ጓል እገላ ጓል ቀላይ በዓልቴት

ከም ሓንቲ ጻዕዳ ጣፍ ኣብ መሶብ ትኽተት፡

ከም ሓንቲ ስራና ኣብ ጻሕሊ ትርፍተት፡

ከም ሜስ ቀርኒ ይፈትውዋ ጎይቶት፡

ወይ 'ዚ ኣባጅጎ 'ዚ ዕዋኖ ንማመት

ፈጢሩ ከይኾኖ ግምጃ ባጽዕ

መረባዕ ድኮኖ።

ብዘይ መሰነይታ ኣይትወጽእ ከም መኮነን ብዓይና ትቐጽዕ

ናታ ክዳን ጽሩይ ከምቶም ባጽዕ።

መድህን ደረፈልኪ ጓሳ ብሶት

ቀሪም ቃንጫ መማሰዪ ጋሶት

ለቖታ ትማላእ መቑጸሪ ሓሶት

ኣካ ሰመናኪ ሰናይ ምሸት።

ጓል እገላ ጓል ኣርብዓ እንስሳ

ሰብኡትኪ ክልተ ሓምሳ

ምእንቲ ከይጠፍኡ ግበርሎም ጓሳ።

ቀጣን ኣምዑት ከም ዘንጊ ኣበይቶ

ተሰታይት ከም ማይ ከለዐውቶ

ተበላዒት ከም ስጋ ኣውለልቶ

ስገም ቶራት ጣፍ ሓጋይ ዓራቶ

ኣፋ መዓር ከናፍራ ሕምቶ

ወለጋብር ዝሰርሖ ቀበቶ

ወዲ ዘርእያቆብ እተቐመጦ ባይቶ

ረኺብኪ'ዶ ካባና ዝፍቶ ዝሓዝክዮ ይግበረልኪ ከንቶ።

ጓሳ ድባብ ኣዳኖኣ ሰንደቕ እንተ

ተዓንቂፍኪ ባጊር ይውደቕ እንተ

ሓሰውኪ ሰይጣን ይኹን

ባጊር ግዳ መላእ ኣፍንጭአን።

ናብ ኣቦይ ናብ እኖይ ከብለክሲ

ፍቕሪ ክንማቐል ሃቢ ዕሲ

ንዓይ መስፈር ንፍቂ ንዓኺ መሰለሲ

ናብ ኣንበሳ ከይብለኪ ናብ ጎራሲ

ናብ ተመን ከይብለኪ ናብ ነኻሲ

ናብ ውሕጅ ከይብለኪ ናብ ጎሳሲ።


ገጣሚ፦ማመት እገሊት/እገለ ኣብ ኤረቲቪ ብበረኸት ኣማረ ቀሪባ ኔራ


119 views0 comments

Recent Posts

See All

ፍልስፍናን ንሕናን😇

#ፍልስፍናን #ንሕናን😇 (ክፋል 1) ኣክሱም ንሃገር ኮነ ንዓለም ዝበርከተቶም ውህብቶታት ቆፂርካ ዝዉድኡ ኣይኮኑን። ብፍሉይ ክዓ ሃገረ #ኢትዮጰያ ኣለውኒ ትብሎም ትውፊታት መብዛሕቲኦም ካብ #ባህሊ ክሳብ #ሃይማኖት ፤...

ዘርዓያቆብ (ዘርአ ያቆብ)መን እዩ❓

#ፍልስፍናን #ንሕናን (ክፍሊ 2)😇 ...........ዝቀፀለ. #ዘርዓያቆብ መን እዩ❓ ብዙሓት ሰባት #ኣፄ ዘርዓያቆብን #ፈላስፋ ዝርዓያቆብን ሓደ ገይሮም እዮም ዝወስድዎ።🙌😂 #ኣፄ ዘርዓያቆብ ኣፄ ዘርዓያቆብ ብ...

Comments


Post: Blog2 Post

THE GE'EZ TIMES

Subscribe Form

Thanks for submitting!

  • Facebook
  • Twitter
  • Instagram

©2018 by The Ge'ez Times. Proudly created with Wix.com

bottom of page