top of page

ዘርዓያቆብ (ዘርአ ያቆብ)መን እዩ❓

Writer's picture: The Gee'z TimesThe Gee'z Times

...........ዝቀፀለ.


#ዘርዓያቆብ መን እዩ❓


ብዙሓት ሰባት #ኣፄ ዘርዓያቆብን #ፈላስፋ ዝርዓያቆብን ሓደ ገይሮም እዮም ዝወስድዎ።🙌😂


#ኣፄ ዘርዓያቆብ


ኣፄ ዘርዓያቆብ ብ 1391 ዓ.ም ኣብ #ሽዋ ዝተወለደን ኸምኡውን ካብ 1426 - 1460 ዓ.ም #ንጉስ ኢትዮጰያ ኮይኑ ዝገዘአን እዩ። ኣፄ ዘርዓያቆብ ኣብኡ #ዳዊት ጀሚርዎ ዝነበረ ብዝተፈላላዩ ቋንቋታት ተፃሒፎም ዝነበሩ ታኣምራታት ናብ #ግዕዝ ብምቅያርን ናብ ኩለን ገዳማት ብምብታንን ዝፍለጥ እንትኮን ኣብዚ እዋን ምስ #ደቂቅ እስጢፋኖስ ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ውን ናይ ብዙሓት ተጋሩ ፈለስቲ ደም ኣብ ደብረብርሃን ክፈስስ ዝገብረ ንጉስ እዩ። (ብሰፊሑ ኣብ ካሊእ ፅሑፍ ንምለሶ)


#ፈላስፋ ዘርዓያቆብ

ፈላስፋ ዝርዓያቆብ ብ 1592 ዓ.ም ኣብ #ኣክሱም ዝተወለደ እዩ። ኣብ ዘመን ንግስነት ሲሶንዮስ ኣብ 9 ዓመቱ (1601ዓ.ም) ናይ #ቅሽና ትምህርቲ ዝጀመረን ወዲ 17 ዓመት እንትኮን ንባብ፣ መኣዲ (ገበታ) ሃዋርያት፣ ዳዊት ፣ ቅኔን ስዋሱውን ተማሂሩ ወዲኡ። ድሕሪ እዚ ክዓ #ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ካብ 1609 - 1619 ንዓሰርተ ዓመታት ናይ መፅሓፍ #ቅዱስ ትርጉም ተማሂሩ ወዲኡ እዩ።🙌

👉ኣብ ማእከል ግን ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ናይ #ዜማ ትምህርቲ ጀሚሩ #ድምፁ ፅቡቅ ስለ ዘይነበረ ኣብ 3 ወርሑ ኣቋሪፅዎ እዩ😇😂

⏩ ዘርዓያቆብ ናይ ብዙሕ ዓመታት ትምህርቱ ድሕሪ ምምሃሩ #ንክልተ ዓመታት ዝኣክል (1623 - 1625) ኣብ ብዓቲ ናይ #ተመስጦን #ፅሞናን ግዜ ኣሕሊፉ እዩ። ዘርዓያቆብ ኣብ 35 ዓመቱ ወ/ት #ሂሩት ዝተብሃለት #ተመርዕዩ #ሃፍቱ ዝተብሃለ ሓደ ውላድ ውን ኣፍሪዩ እዩ።

⏩ዘርዓያቆብ ኣብ 68 ዓመቱ ብ1660 ዓ.ም ናይ #ሓተታ መፅሓፉ ፅሒፉ ብምውዳእ ንዓለም ኣበርኪቱ እዩ🙌 ብ 1685 ዓ.ም ኣብ 93 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ😭

❎ በዚ መሰረት ኣፄ ዝርዓያቆብን ፈላስፋ ዘርዓያቆብን ኣብ ሞንጎኦም ናይ ከባቢ 200 ዓመታት ኣፈላላይ ከምዘሎን ክልተ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምኳኖም ክንግዘብ ይግባእ። 👉 ድሕሪ ሕዚ ዘሎ ፅሑፍ ኩሉ ንፈላስፋ ዘርዓያቆብ ዝምልክት ጥራሕ እዩ🙌


⏩ ኣብ ናይ ዘርዓያቆብ #metaphysics ምርምር #ሰለስተ ነገራት ንረኪብ (metaphysics ማለት ኣብ ሓቂን ፍልጠትን ዝፅንዕ ፍልስፍና)፦

👉 #ህልውና ፈጣሪ

👉 ናይ ወዲ #ሰብ ተፈጥሮ

👉 ናይ #ፈጣሪን #ሰብን ርክብ


❎ዘርዓያቆብ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ተመስጦን ፅሞናን ግዝያት ምምላሱ ካብ ዘልዐሎም ዓበይቲ


ሕቶታት፦

" ኣነ ግን ናብ መን እየ ዝፅሊ❓"

ዝብል ብዋናነት ዘልዓሎ እዩ።

ናይ ዓለምና ኩሎም ሕቶታት ምስ ህልውና #ፈጣሪ ዝተታሓዙ ስለዝኮነ ናይ ዘርዓያቆብ ምርምር ካብዚ ምጅማሩ ትክክለኛ እዩ ኔሩ።❤ ዘርዓያቆብ #ህልውነት ፈጣሪ ድሕሪ ምርግጋፁ #ባህሪታት ፈጣሪ ናብ ምምርማር እዩ ኣትዩ።


⏩ ስለፈጣሪ ክእለትን #ባህሪን ዘርዓያቆብ እንትገልፅ፦

"ዝፈጠረና ፈጣሪ #ኣዋቂ ፣ ዝዛረብን #ኩሉ ዝክእልን ምኳኑ #ግድን እዩ #ምክንያቱ ፈጣሪ ኣዋቂ ተዘይኮነ ኣዋቂ ዝኮነ ፍጡር (ሰብ) ክፈጥር ኣይክእልን"

ይብል🙌

ናይዚ ምርምሩ #መጨረሻ ዘርዓያቆብ እንተጠቃልሎ

"ፈጣሪ ፈጥረታቱ ፈጢሩ ክገድፎም ኣይክእልን"

ነዙይ ንምርዳእ ውን ኣብ #ምፍጣርን #ግበረገባዊ ሓላፍነትን (ሞራል) ሞንጎ ዘሎ #ምክንያታዊ ብምትንታን የርድእ።👍💝


በዚ ውን ናይኒ #ኣርስቶትል
"እግዛብሄር ዓለም ድሕሪ ምፍጣሩ ገዲፍዋ እዩ" ዝብል ፍልስፍና ምዕራባውያን ውድቂ ገይርዎ እዩ( #ጀግናና)

.

.

By hagos ze Axum

ይቅፅል እ

75 views0 comments

Recent Posts

See All

ፍልስፍናን ንሕናን😇

#ፍልስፍናን #ንሕናን😇 (ክፋል 1) ኣክሱም ንሃገር ኮነ ንዓለም ዝበርከተቶም ውህብቶታት ቆፂርካ ዝዉድኡ ኣይኮኑን። ብፍሉይ ክዓ ሃገረ #ኢትዮጰያ ኣለውኒ ትብሎም ትውፊታት መብዛሕቲኦም ካብ #ባህሊ ክሳብ #ሃይማኖት ፤...

Comments


Post: Blog2 Post

THE GE'EZ TIMES

Subscribe Form

Thanks for submitting!

  • Facebook
  • Twitter
  • Instagram

©2018 by The Ge'ez Times. Proudly created with Wix.com

bottom of page