...........ዝቀፀለ.
#ዘርዓያቆብ መን እዩ❓
#ኣፄ ዘርዓያቆብ
ኣፄ ዘርዓያቆብ ብ 1391 ዓ.ም ኣብ #ሽዋ ዝተወለደን ኸምኡውን ካብ 1426 - 1460 ዓ.ም #ንጉስ ኢትዮጰያ ኮይኑ ዝገዘአን እዩ። ኣፄ ዘርዓያቆብ ኣብኡ #ዳዊት ጀሚርዎ ዝነበረ ብዝተፈላላዩ ቋንቋታት ተፃሒፎም ዝነበሩ ታኣምራታት ናብ #ግዕዝ ብምቅያርን ናብ ኩለን ገዳማት ብምብታንን ዝፍለጥ እንትኮን ኣብዚ እዋን ምስ #ደቂቅ እስጢፋኖስ ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ውን ናይ ብዙሓት ተጋሩ ፈለስቲ ደም ኣብ ደብረብርሃን ክፈስስ ዝገብረ ንጉስ እዩ። (ብሰፊሑ ኣብ ካሊእ ፅሑፍ ንምለሶ)
#ፈላስፋ ዘርዓያቆብ
⏩ ዘርዓያቆብ ናይ ብዙሕ ዓመታት ትምህርቱ ድሕሪ ምምሃሩ #ንክልተ ዓመታት ዝኣክል (1623 - 1625) ኣብ ብዓቲ ናይ #ተመስጦን #ፅሞናን ግዜ ኣሕሊፉ እዩ። ዘርዓያቆብ ኣብ 35 ዓመቱ ወ/ት #ሂሩት ዝተብሃለት #ተመርዕዩ #ሃፍቱ ዝተብሃለ ሓደ ውላድ ውን ኣፍሪዩ እዩ።
⏩ዘርዓያቆብ ኣብ 68 ዓመቱ ብ1660 ዓ.ም ናይ #ሓተታ መፅሓፉ ፅሒፉ ብምውዳእ ንዓለም ኣበርኪቱ እዩ🙌 ብ 1685 ዓ.ም ኣብ 93 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ😭
❎ በዚ መሰረት ኣፄ ዝርዓያቆብን ፈላስፋ ዘርዓያቆብን ኣብ ሞንጎኦም ናይ ከባቢ 200 ዓመታት ኣፈላላይ ከምዘሎን ክልተ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምኳኖም ክንግዘብ ይግባእ። 👉 ድሕሪ ሕዚ ዘሎ ፅሑፍ ኩሉ ንፈላስፋ ዘርዓያቆብ ዝምልክት ጥራሕ እዩ🙌
⏩ ኣብ ናይ ዘርዓያቆብ #metaphysics ምርምር #ሰለስተ ነገራት ንረኪብ (metaphysics ማለት ኣብ ሓቂን ፍልጠትን ዝፅንዕ ፍልስፍና)፦
👉 #ህልውና ፈጣሪ
👉 ናይ ወዲ #ሰብ ተፈጥሮ
❎ዘርዓያቆብ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ተመስጦን ፅሞናን ግዝያት ምምላሱ ካብ ዘልዐሎም ዓበይቲ
ሕቶታት፦
" ኣነ ግን ናብ መን እየ ዝፅሊ❓"
ዝብል ብዋናነት ዘልዓሎ እዩ።
ናይ ዓለምና ኩሎም ሕቶታት ምስ ህልውና #ፈጣሪ ዝተታሓዙ ስለዝኮነ ናይ ዘርዓያቆብ ምርምር ካብዚ ምጅማሩ ትክክለኛ እዩ ኔሩ።❤ ዘርዓያቆብ #ህልውነት ፈጣሪ ድሕሪ ምርግጋፁ #ባህሪታት ፈጣሪ ናብ ምምርማር እዩ ኣትዩ።
⏩ ስለፈጣሪ ክእለትን #ባህሪን ዘርዓያቆብ እንትገልፅ፦
ይብል🙌
ናይዚ ምርምሩ #መጨረሻ ዘርዓያቆብ እንተጠቃልሎ
"ፈጣሪ ፈጥረታቱ ፈጢሩ ክገድፎም ኣይክእልን"
በዚ ውን ናይኒ #ኣርስቶትል
"እግዛብሄር ዓለም ድሕሪ ምፍጣሩ ገዲፍዋ እዩ" ዝብል ፍልስፍና ምዕራባውያን ውድቂ ገይርዎ እዩ( #ጀግናና)
.
.
By hagos ze Axum
ይቅፅል እ
Comments