ህዝባዊ ግጥሚታትን ደርፊታትን (Public Folk Poems)
"ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ ከም ስነ ጽሑፍ ብቃል ይዝረቡን ይግለጹን ኢዮም። እዞም ካብ ኣፍ ዝወጹ ቃላትን ፍጻሜኦምን ኣገደስቲ መልክዓት ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ እዚኣቶም፡ ከምቲ ሓደ ጸራባይ ብጥበቡ ዕንጸይቲ ሰንጢቑ፡ ጸሪቡ ቀሪጹ ዘደንቕ ኪነ ጥበናዊ ቅርጺ ዘውጽእ፡ ሓደ ኪኢላ ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ እውን ብጥበብ ቃሉ፡ ኣብ ህዋሳት ደቂ ሰብ ሰሪጹ ብምእታው ሰማዕቲ ካብ ምምሳጥን ምድናቕን ሓሊፉ፡ ኣብ ክጭበጥ ዘይክኣል ረቂቕ ስምዒት ዘኽእል ተኽእሎ ኣለዎ።”
እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ “ሓፈሻዊ መምርሕን መለለይን ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ” (2002፤ 1) እትብል መጽሓፍ ናይ ደራሲ ኣስመሮም ገብረስላሴ ዝተወስደት ኢያ።
ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ ዝበሃሉ ኣዝዮም ብዙሓት ዓይነታት ኮይኖም ከም እኒ ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ኣዝግነኒ፡ ምስላ፡ ያላኻ፡ ማሰን መልቀስን ካልኦትን ክዀኑ እንከለዉ፡ እዚ ጽሑፍ፡ ግን ብጽብብ ዝበለ ብምሓዝ፡ ነቲ ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ ግጥሚ ዘተኰረ ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ።
ህዝባዊ ግጥሚታትን ደርፊታትን(Public Folk Poems)
ዝበሃሉ ምስ እንምልከት፡ ናይ ህዝቢ ወይ እውን ናይ ሕብረተ ሰባት ግጥሚታትን ደርፊታትን እናተባህሉ ዝጽውዑ፡ ክፋል ናይቲ ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ ግጥሚ ከም ዝዀኑ ብዙሓት ጸሓፍቲ ወይ እውን ደረስቲ ክሰማምዕሉ ተዓዚበ ኣለኹ። ሕጂ እውን ኣብነት ካብ መጽሓፍ ደራሲ ኣስመሮም ገብረስላሴ ክጠቅስ፡
“ህዝባዊ ግጥሚታትን ደርፊታትን ውሽጣዊ ህርመት ልቢ ደስታን ሓዘንን፡ ተስፋን ቅብጸትን፡ ህላዌን ሞትን፡ ፍቕርን ጽልእን፡ ትብዓትን ፍርሒን፡ ትዕግስቲን ቍጠዐን፡ ሓርነትን ባርነትን፡ ጅግንነት፡ ፍቕሪ ሃገር. . . ንደቂ ሰባት ዘንጸባርቑ ስነ ጥበብ ሓፋሽ ኢዮም።” ብምባል ኣስፊርዎ ኣሎ።
እዚ ኣፋዊ ግጥሚ ደርፊታት ኣዝዩ ሓጺርን ንጹር መልእኽቲ ዘለዎን እዩ። ገሊኡ ድማ ብሕጫጨን እስትሕቓርን ዝተመልአ ኮይኑ፡ እቲ ጥበባዊ ኣከናውና፡ ንሰማዒኡ ወይ እውን ንኣስተማቃሪኡ ኣብ ውሽጡ ገለ ጦብላሕታን ተመስጦን ብምግዳፍ ተዘካሪ ጥበብ ኢዩ።
[ጸሓይ ዕራርቦ፡ ‘ዛ ኢደይ ዋሊቦ
ሸት-ሸት! ናይ ኣጋምሸት ]
እዚ ኣዝዩ ሓጺር ኣፋዊ ግጥሚ ደርፊታት ምስቲ ሃይኩ ዝብሃል ጃፓናዊ ግጥሚ ኣዝዩ ዝመሳሰል ኢዩ። እዚ ከምዚታት ግጥሚ ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ መርዓ ኣዋልድ ንመርዓዊ ክጸርፈኦ እንከለዋ ዝደርፈኦ ምስ እንርኢ፡
[ዘለምባየ ኣንታ ዘለምባየ
ጠለቃ ዘውጽእ ብልዛየ ]
እዚ ሓጺር ኣፋዊ ሕደማ ግጥሚ ምስ ዜማ ተደሚሩ ክስማዕ እንከሎ ግርም ስእለ ኣእምሮ ብምሓብ ክምስ ከብል ዝኽእል እዩ። ምኽንያቱ ምስ ጸታዊ ርክብ ዝተኣሳሰረን ናብኡ ዝኣመተን ኣባሃላ ብምኳኑ። ጎራዙት ዓዲ እናኽደርፋ፡ ኣጓብዝ ዓዲ ድማ ወትሩ እዝኖም ጸልዮም ምስ ሰምዑ ኢዮም። ዘዝደረፍኦ ከኣ ክትርጉምን ከስተማቝሩን ኣይጽገሙን።
ብዘይካ እዚ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝግጠሙን ዝድረፉን ማእለያ ዘይብሎም ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ ኣለዉ። ከም እኒ “ዓሮን ግራሮን” ኣደታት ንሓራስ ማርያም ገዓት ብምግዓት ምስ በልዓ ዝደርፈኦ ኢዩ። “ለሚን ለሚነይ’የ” ኣዋልድ ብዘይ ቀይዲ እናኸረራ ዘዚመኦ ኣብ ግዜ ምቕንጣት ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ባህላዊ በዓላት ሽዑ እናወሰኻ ግጥሚ ይጻወትኦ። “ጉማየ ጉማየ ላሎ” ፥ ምሕሸ ፡ ኹምብራዛ፡ ኰየ ዀየን ካልእን ምጥቃስ ይከኣል።
እዞም ዝተጠቕሱ ኣዝዮም ሓጸርቲ ኣፋዊ ግጥሚታት ኰይኖም፡ ናብቲ ማሰን መልቀስን ወይ እውን ናብቲ ኣውሎን ወዮን ክንርኢ ምስ እንፍትን፡ እዞም ቅዲታት እዚኣቶም ብኣገባብ ኣገጣጥምኦም ይኹን ኣሰራርዕኦም ምስዚ ዘመናዊ ግጥሚ ዝበሃል ኣዝዮም ዝመሳሰሉ ኰይኖም፡ ብርቀት ጥበባዊ ጽባቔኦም እውን ዝድነቝ ኢዮም። ገሊኦም እውን ኣስተቲካዊ ጽባቐ ዘማልኡ ኢዮም።
ንኣብነት ናይ ማሰኛ ተወልደ ማዓሾ ኣፋዊ ግጥሚ ምስ እንምልከት ዳርጋ ኩሎም ግጥሚታቱ ፍጹም ምድግጋም ናይ ቃላት ይኹን ናይ ሓሳባት ዘይብሎም፡ ኣብ ርእሲ ምኳኖም ኣብቲ ጥበባዊ ጽባቐ ግጥሚታቱ እውን ኣዝዩ ዑምቆት ዘለዎ ኮይኑ እጸንሓካ። ገለ ካብ ግጥሚታቱ፡
ኣብ ምንታይ ውዒለ’የ ተውሳኺተይ ቘልዓ
ይትረፍ ምዕሮ ዘይበልዓኹ እንቅዓ
መራጉዝ ማይ ጫዕዳ ኵላ ተጸዊዓ
እንዳ’ዝማች ዑቝቢት ኩላ ተጸዊዓ፡
ጨፍጨፉኒ ለሊሒጾም ጨዓ
ነቦይ ነገርክዎ ናተይ ወጽዓ
ረድኣኒ ደኣ ብተሎ ብሽዓ
ኣልማማ ኣትኺሉ ብጉሕጨዓ፡
ስገም ረኸብናያ ብጭልክዓ
ቀይሕ ጣፍ ረኸብናያ ብጽገኣ
ዓተርስ’ኳ ብዓንተቦ ጠፊኣ
ዝመጻ ፈሊጣ ተጸጊዓ፡
ምዕሮ ኣይተረኽበ ዋላ እንቅዓ
ሕጸ ዶ’ሞ ተረኽበ መርዓ
ኣደን ጓልን ሓቢረን ክነብዓ
ስደት ኰነ ሓሓንጊርካ ቘልዓ.
እዚ ኣፋዊ ግጥሚ፡ ገጣሚ ነቲ ዘጋጠመ ናይ ኣንበጣ ዕስለ ወራር ከመይ ከም ዝነበረ፡ ከም ንኡስ ኣንበጣ ኮይኑ ብውክልና ብምግጣም’ዩ ነቲ ኵነት ዝገልጾ።
ተወልደ መዓሾ ነዛ ኣፋዊት ግጥሚ ክገጥሙዋ እንከለዉ፡ ነቲ ዘጋጠመ ናይ ደርቂ ኵነታት ብሰንኪ ዕስለ ኣንበጣ፡ ንምግላጽ ኣብ ሓደ ቀብሪ ዝበልዋ እያ ኔራ። ዋላ’ኳ ኣብ ቀብሪ ዝቐርብ ኣፋዊ ግጥሚ መልቀስ ወይ እውን ወዮ ክኸውን እንተነበሮ፡ ማሰኛ ተወልደ መዓሾ ግን ነቲ ዝተሰምዖም ወይ እውን ነቲ ዝተመልከትዎ ነገር፡ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተረኽበሉ ወይ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ንምስማዕ ድሕር ይብሉ ከምዘይ ነበሩ ኢዩ ዝዝንተወሎም።
እዛ ግጥሚ እምበኣር፡ ሓደ ንእሽቶይ ወዲ ኣንበጣ፡ ምስ ተቐልቀለ፡ እቲ ሕብረተ ሰብ ድማ ብጨዓ ከም ዝጨፍጨፎ፡ ኣውያት እቲ ኣንበጣ ድማ፡ ኣቦታቱ ከም ዝሰምዕዎ ብምሕባር ካብ በዓል ከባቢ ጉሕጭዓ ጀሚሮም ንዅሉ ወረዳታት ተኸላ፡ መራጉዝ፡ ማይ ጫዕዳ፡ እንዳ’ዝማች ዑቚቢት፡ ደቂ ቦኽርን ካልእን ብኣልማማ ከም ዘጥፍእሞ ብዘይ መላስ ወረ ከም ዝበልዕዎ እቲ ኣንበጣ እናዘንተዎ እረኤ። ድሕሪ እዚ መርዓ ደርዓ ከም ዘየለ ብምሕባር፡ ነታ ዝኣኸለት ጐርዞን፡ ነታ ብርሃን ጓላ ክትርኢ ሃረር ትብል ዝነበረት ኣደን – ልበን ከም ዝተሰብረን ተተሓሒዘን ኣብ ቊጸማ ከም ዝኣተዋን የርኢ።
እዛ ስዒባ ቀሪባ ዘላ ምስ እንምልከት፡ ድማ ንመንብሮ ህይወት ናይቲ ዝነብርሉ ዝነበሩን ናይ ብቕድሚኦም ዝነበረ ናይ ወለዶም መንብሮን ብምዝማድ፡ ነቲ ሕሰም ዘዅረፎ ዓርኩ ክገጥመሉ እርአ፡
ኣባይ ኣባይ ወደ’ቦይ ዓጋሙ
ቅድሚ ርእሱ ዝሰየበ ጭሕሙ
በቦታትና ሓሊፉ ጠጥዕሙ
ናባና ገዲፎሞ ጸጸገሙ
ጸሊም ድሙ ግብሩ ከም ቀደሙ
ንሓንሰን ወይባን ተፈጠርካ ስሙ
ጨዓ ጭጎኖ ብኣኻ ባዲሙ
ወዲ ጸሊም ኣብጺሑ መርገሙ
ወዲ ጻዕዳ ኣብጺሑ መርገሙ
ከልቢ ኰንካ ናይቶም ዝተሸሙ
ናትካ ድኽነትስ እንከላይ ምስ ገልጠምጠሙ
ድኽነተይስ’ኳ ይድቅስ ኣርሚሙ
ጋቢ ማርያም ሳባ ተጐምጒሙ።
ኣብዛ ግጥሚ ዘሎ ኣወዳድቃ ቃላት ይኹኑ ዋሓዚ ሓሳባት፡ ስጡማት ብምኳኖም ኣፋዊ ግጥሚ ኢዩ ክትብሎ እውን ኣየድፍርን።
ብዘይካ እዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ፡ መልቀስ እውን ሓደ ካብ ክፋላት ግጥሚ ምኳኑ ምግንዛቡ የድሊ። ኣፋዊ ግጥሚ መልቀስ ወይ ድማ ወዮ፡ ዝበሃል ቀስቃሲ ወይ እውን ኣተካዚ ወይ እውን ኣሕዛኒ ፡ ነቲ ሓዘንን ምስትንታንን ዘጸናንዕ ሞጎሳዊ ኣገባብ ኣለቃቕሳ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም እኒ ንጉሰ እልፉ ( ወዲ እልፉ)፥ ሃንስ ዘሞ (ወዲ ዘሞ)ን ካልእን ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይከኣሉ።
ማሰኛ ኣይተ ወልደድንግል፡ ንብላታ ስብሓት ሓይላት ዝበሃሉ ሽሞያ ከምዚ ኢሎም ከም ዘልቀስሎም ይፍለጥ።
ወዲ ኣቢብ ውድኻ ደርጨን
ዓይኒ መኳንንቲ ከም መረጸን
ክበጽሓኻ ማርያማት ሃጺጸን
ኣብ ማይ ድጋም ጸበለን በጽቡጸን
ተመለሳ እስትንፋስ ቀቢጸን
ሓዘናልካ ዓው ኣቢለን ድምጸን
ብኸያልካ ገንባረን ልሒጸን
ኣይከኣላን ምስ እዝጊ ተቓጺጸን።
ኣንታ ወዲ ሻኩር ወዲ ኣቢብ
እንዳ ንጉስ ደብተር እንክነብብ
ሽሕ መኰንን ክስምዖ ዝኸብብ
ይበዝሑኒ ቢሉ ዘይቓብብ
ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ዝሃብብ።
እንታ ወዲ ሻኩር ወዲ ትንሱእ
ብዙሓት ሓያላት ኢድ ዘንስእ
ኰብኲቡ ዘምጽኦም ከም መሓስእ።
ኣንታ ወዲ ቡላ ወዲ ሻኩር
ነፍጢ ቓዱ ብባሩድ ዝድከር
ላሜንታጕራይዶ ብወርቂ ዝዅርኵር
ወዮ ብዘይካኻ ኸዓ ዘይምከር
ጽባሕ ሓሙስ ንሓውዜን ኣይትብኰር።
ኣታ ወዲ ሻኩር ወዲ ቡላ
ኣብ እንዳቦ እንክግበር ዋዕላ
ዘይትኣክል ንስኻ ዘይብላ
ዓንዲ ማእከል ንኺለው ቓቤላ
ተቐዲሕካ ዘይትነጽፍ ዔላ።
እንታ ውዲ ገድሉ ወዲ ምሑር
ከም ኣንበሳ ዘለካ ሓራሕር
ይበዝሑኒ ቢሉ ዘየድሓርሕር
ከም እዝግና ዝቐትል ዝምሕር።
“ዝሓለፉ ቀዳሞት ወለድና፡ ሽሕ’ኳ ካብ መቃብር ተንሲኦም ክምለሱና እንተ ዘይክኣሉ ፡ እቲ ዝሓደጕልና ማለት፡ መልክዕና፡ ወዝና፡ ገጽና፡ መንነትና እንብሎ ባህሊ ፡ ኣባና በጺሑ ኪጠፍእን ኪሃስስን እንከሎ፡ “. . . ንሕና ትማሊ ከማኻትኩም ኔርና ኢና ፡ ንስኻትኩም ከኣ ጽባሕ ከማና ክትዀኑታ ኢኹም። ስለዚ እቲ ናዕና ስረስዐ ንገዛእ ርእሱ ረስዐ. . . ” እናበሉ ከም ዝነቐፉና ዝተፈልጠ ኢዩ።” ይብል መምህር ኣስረስ ተሰማ ኣብታ ብ 1992 “ድሃይ ባህልና” እትብል መጽሓፉ።
ኣብ ዚሓለፈ ዓመትን ኣብዚ ቅንያት እውን ንእኒ ማሰን መልቀስን ምስ ግጥሚ ክምደብ ኣይከኣልን ክብሉ ስለ ዝሰማዓኹ ኢየ ነዚ ክጽሕፍ ዝተቐሰብኩ እሞ፡ ማሰን መልቀስንስ ክፋል ናይ ስነ ግጥሚ ደኣ እምበር፡ ተነጺሉ ዝኸይድ ወይ ተነጺሉ በይኑ ዝፈረየ ወይ ዝበቆለስ ኣይኰነን።
_____________________________________________
ጸሓፊ ተስፊት ኣብርሃም
የካቲት 2017
_____________________________________________
The Ge'ez Times
January 2021
Comments