top of page

ፍልስፍናን ንሕናን😇

Writer's picture: The Gee'z TimesThe Gee'z Times

ኣክሱም ንሃገር ኮነ ንዓለም ዝበርከተቶም ውህብቶታት ቆፂርካ ዝዉድኡ ኣይኮኑን።

ብፍሉይ ክዓ ሃገረ #ኢትዮጰያ ኣለውኒ ትብሎም ትውፊታት መብዛሕቲኦም ካብ #ባህሊ ክሳብ #ሃይማኖት ፤ ካብ #ታሪክ ክሳብ #ፍልስፍና ብሓፈሻ መሰረቶም #ትግራይን #ተጋሩን እዩ።

ነዚ ብደንቢ ዝተረድኡን ታሪክ ሚዛን ተጋሩ ዝፈለጡ ኩሎም፦


" #ኢትዮጰያ ኣብ ውሽጢ #ትግራይ ኣላ እምበር ፤ #ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጰያ የላን"

ዝብሉ።


#ኣክሱም ንኢትዮጰያ ካብ ዘበርከተቶም ብውሕዱ፦

#ፊደልን ኣቆፃፂራን #ግእዝ

❎ ሃይማኖትን #ሃይማኖታዊ ብዓላትን ከም #መስቀልን #ጥምቀትን ዝጀመረትን ከም ባህሊ ኮይኑ ክቅፅልን

#ስርዓተ መንግስቲ

#ፍልስፍናን..... ወዘተ ኢልና ክንሓልፎ #ምክንያቱ ኣክሱም ብዙሕ ታሪካዊ ፀጋታት ዝዓደላ ስለዝኮነት ኣብዚ ኣሕፂርካ ክትገልፃ ከቢድ እዩ🙌


👉ብዙሓት ኣክሱም እንትብሃል ሓወልቲ ጥራሕ እዩ ዝርኣዮ ይኩን እምበር ብዙሓት #ቤተመንግስታት #ገዳማትን ናይ ብዙሓት መንፈሳዊ ክዋኖታትን ባዓልቲ ቤት እያ። ካብዚኣቶም እስከ ብዛዕባ #ፍልስፍና ብመጠኑ ክዛረብ😇


#ፍልስፍና እንትብሃል መብዛሕቲኡ ማሕበረሰብና ኣሉታዊ ዝኮነ ኣመለካክታ እዩ ዘለዎ።

#ፍልስፍና እንትብሃል፦


👎 ሰባት #ክሓድቲ ዝገብር ፤ ዓርሶም ከውድቁ ዝገብር ፤ ፀጉሮም ዝተንጨባረሩን ጣጣ ዘይብሎምን ፤ ምስ ሰባት ከይስማዕሙዑን ዝገብር ትምህርቲ እዩ ዝብል #ኣሉታዊ ኣመለካክታ ዘለዎም ሰባት አለው።


ነዚ #ኣሉታዊ አተሓሳስባ ዝፈሓቀን ውድቂ ዝገበረን ዑንቂ ዝኮነ ፈላስፍና ኩሉ ትግራዋይ ፍልስፍና እንትብሃል ናብ ርእሱ ዝመፀሉ ፈላስፋ #ዘርኣያቆብ እዩ።


ዘርኣያቆብ #መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝተመሃረን ኣብ መንፈሳዊ ሂወቱ ዝተግህን ፤ ኣብ ዓለማዊ ሂወቱ ውን እንተኮነ #ሃብታም ፤ ኣብ #ማሕበራዊ ሂወቱ ውን ተኮነ ተመርዕዩ ዝወለደን ደቂደቁ ዝርኣየን እዩ ኔሩ። ዘርኣያቆብ ኩሎም እቶም ኣብ ልዕሊ ፍልስፍና ዘለው ኣሉታዊ አተሓሳስብ ብተግባር ውድቂ ዝገብረ ሊቅ እዩ ኔሩ።

⏩ ዘርኣያቆብ ኣብ ሂወቱ ወዲሰብ ብደስታ፤ ብምስጋናን ብዝጠንከረ ማሕበራዊ ሂወትን ክመርሕ ኣለዎ ዝብል ኣሓሳስባ ኔርዎ😇


⏩ ዘርኣያቆብ ብ1592 ዓ.ም ኣብ ከባቢ #ኣክሱም ካብ ሓደ ሓረስታይ ከምዝተወለደን ትወልዲ ሓረጉ ውን እንተኮነ ካብ #ካህናት ኣክሱም ከምዝውለድ ዝፍለጥ እዩ። ዘርኣያቆብ ዝብል ሽም ናይ ክርስትና ሽሙ እንትኮውን ኣዲኡን ኣብኡን ዘውፅእሉ ሽም #ወርቄ ምንባሩ ውን ይንገር።


❎ዘርኣያቆብ ወዲ ኣክሱምን #ትግራዋይን ምኳኑ እኳ ዝፍለጥ እንተኮነ ፕ/ር #ጌታቸው ሃይሌ ዝተብሃሉ ፀሓፊ ግን ኣብ ሓደ ፅሑፎም ዘርኣያቆብ ወዲ ኣክሱም ዘይኮነስ ወዲ #ደምበያ እዩ ዝብል ሓተታ ፅሒፎም እዮም።🙌

እሞ ንሕና #ተጋሩ#ታሪክናን ጀጋኑን ፈሊጥና ኣብ ምዕቃብን ካልኦት ክፈልጡ ኣብ ምግባርን እንታይ

ንመስል❓

እዚ ዑንቁ ፈላስፋናን ናቱ ተማሃራዩ ዝነበረ ፈላስፋ #ወልደሂወትን (ወዲ ኣክሱም) ክንደይ ዝኣክል ታሪኮሙን መንነቶም ፈሊጥና ንዕቅቦ ኣለና❓😭


⏩ኣብዛ ሃገር ካብ #ትግራይ ተወሲዱ ናትና እዩ ዘይበሉና ነገር ዳርጋ የለን ንሕና ታሪክና ከመይ ንዕቅቦ❓

#ታሪክና #ባህልና #ፍልስፍናና ንሕና ዘይዓቀብናዮ መን እዩ ክዕቅበልና❓

.

.

.by hagos ze Axum

ይቅፅል እዩ

50 views0 comments

Recent Posts

See All

ዘርዓያቆብ (ዘርአ ያቆብ)መን እዩ❓

#ፍልስፍናን #ንሕናን (ክፍሊ 2)😇 ...........ዝቀፀለ. #ዘርዓያቆብ መን እዩ❓ ብዙሓት ሰባት #ኣፄ ዘርዓያቆብን #ፈላስፋ ዝርዓያቆብን ሓደ ገይሮም እዮም ዝወስድዎ።🙌😂 #ኣፄ ዘርዓያቆብ ኣፄ ዘርዓያቆብ ብ...

Comments


Post: Blog2 Post

THE GE'EZ TIMES

Subscribe Form

Thanks for submitting!

  • Facebook
  • Twitter
  • Instagram

©2018 by The Ge'ez Times. Proudly created with Wix.com

bottom of page