ኣክሱም ንሃገር ኮነ ንዓለም ዝበርከተቶም ውህብቶታት ቆፂርካ ዝዉድኡ ኣይኮኑን።
ብፍሉይ ክዓ ሃገረ #ኢትዮጰያ ኣለውኒ ትብሎም ትውፊታት መብዛሕቲኦም ካብ #ባህሊ ክሳብ #ሃይማኖት ፤ ካብ #ታሪክ ክሳብ #ፍልስፍና ብሓፈሻ መሰረቶም #ትግራይን #ተጋሩን እዩ።
ነዚ ብደንቢ ዝተረድኡን ታሪክ ሚዛን ተጋሩ ዝፈለጡ ኩሎም፦
ዝብሉ።
#ኣክሱም ንኢትዮጰያ ካብ ዘበርከተቶም ብውሕዱ፦
❎ #ሙዚቃ
❎ #ስርዓተ መንግስቲ
👉ብዙሓት ኣክሱም እንትብሃል ሓወልቲ ጥራሕ እዩ ዝርኣዮ ይኩን እምበር ብዙሓት #ቤተመንግስታት #ገዳማትን ናይ ብዙሓት መንፈሳዊ ክዋኖታትን ባዓልቲ ቤት እያ። ካብዚኣቶም እስከ ብዛዕባ #ፍልስፍና ብመጠኑ ክዛረብ😇
#ፍልስፍና እንትብሃል መብዛሕቲኡ ማሕበረሰብና ኣሉታዊ ዝኮነ ኣመለካክታ እዩ ዘለዎ።
#ፍልስፍና እንትብሃል፦
👎 ሰባት #ክሓድቲ ዝገብር ፤ ዓርሶም ከውድቁ ዝገብር ፤ ፀጉሮም ዝተንጨባረሩን ጣጣ ዘይብሎምን ፤ ምስ ሰባት ከይስማዕሙዑን ዝገብር ትምህርቲ እዩ ዝብል #ኣሉታዊ ኣመለካክታ ዘለዎም ሰባት አለው።
ዘርኣያቆብ #መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝተመሃረን ኣብ መንፈሳዊ ሂወቱ ዝተግህን ፤ ኣብ ዓለማዊ ሂወቱ ውን እንተኮነ #ሃብታም ፤ ኣብ #ማሕበራዊ ሂወቱ ውን ተኮነ ተመርዕዩ ዝወለደን ደቂደቁ ዝርኣየን እዩ ኔሩ። ዘርኣያቆብ ኩሎም እቶም ኣብ ልዕሊ ፍልስፍና ዘለው ኣሉታዊ አተሓሳስብ ብተግባር ውድቂ ዝገብረ ሊቅ እዩ ኔሩ።
⏩ ዘርኣያቆብ ኣብ ሂወቱ ወዲሰብ ብደስታ፤ ብምስጋናን ብዝጠንከረ ማሕበራዊ ሂወትን ክመርሕ ኣለዎ ዝብል ኣሓሳስባ ኔርዎ😇
⏩ ዘርኣያቆብ ብ1592 ዓ.ም ኣብ ከባቢ #ኣክሱም ካብ ሓደ ሓረስታይ ከምዝተወለደን ትወልዲ ሓረጉ ውን እንተኮነ ካብ #ካህናት ኣክሱም ከምዝውለድ ዝፍለጥ እዩ። ዘርኣያቆብ ዝብል ሽም ናይ ክርስትና ሽሙ እንትኮውን ኣዲኡን ኣብኡን ዘውፅእሉ ሽም #ወርቄ ምንባሩ ውን ይንገር።
ንመስል❓
እዚ ዑንቁ ፈላስፋናን ናቱ ተማሃራዩ ዝነበረ ፈላስፋ #ወልደሂወትን (ወዲ ኣክሱም) ክንደይ ዝኣክል ታሪኮሙን መንነቶም ፈሊጥና ንዕቅቦ ኣለና❓😭
⏩ኣብዛ ሃገር ካብ #ትግራይ ተወሲዱ ናትና እዩ ዘይበሉና ነገር ዳርጋ የለን ንሕና ታሪክና ከመይ ንዕቅቦ❓
.
.
.by hagos ze Axum
ይቅፅል እዩ
Comments