top of page

ስልቲ ኣዝማሪኖ ናይ ጽንተት

Writer's picture: The Gee'z TimesThe Gee'z Times


ኣብ መወዳእታ 1975 መስፍን ሓጎስ ኣብ ዓላ ዝገበሮ ናይ ሓለፍቲ ኣኼባ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ““እዚ መንካዕን ደገፍቲ መንካዕን እናበልካ ዝግበር ዘሎ ሰባት ናይ ምንጻል ጎስጓስ፣ ክእረም ኣለዎ” መስፍን ሓጎስ ከምዚ ክብል ከም ዝመለሰሉ “ብመንካዕ ዝሓምም ሰብ እንተሎ፣ ልቡ ከሰል ት ምሰል”


መስፍን ሓጎስ ኩሉግዜ ተሓላቓይ ናይ ኢሳያስ ኮይኑ፣ ነቲ ኢሳያስ ዝፍጽሞ ገበናት እናሸፈነ ክነብር ዝደሊ ሓላፍነት ዘይስመዖ ውልቀሰብ እዩ። ብቐሊሉ ዘኽፈኣሉ ዘጸብቐሉን ዘይፈልጥ ምዃኑ ዝሕብረካ ብዛዕባ ‘መንካዕ’ ተሓቲቱ ክምልሽ ከሎ፡ “ግቡእ መቕጻዕቶም እዮም ረኺቦም” በለ። እቲ ሕቶ ‘መንካዕ’ ኢሎም ይጸዉዑ እምበር ብኻልእ ኣዘራርባ እቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ገበኖም ከይተፈልጠን ከይተመርመረን ብዘይ ሓንቲ ክንዲ ጽፍሪ ትኸውን ቅንጣብ ጌጋ ከይተረኽቦም ብሓሶት ኣልዕል ኣቢልካ ስሞም ብምጽላም ዝቕተሉ ዝነበሩ ዘጠቓልል ሕቶ እዩ ተሓቲቱ። ነቲ ጉዳይ መንካዕ ብከመይ ትገልጾ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ግቡእ መቕጻዕቶም እዮም ረኺቦም ኢሉ ዝሃቦ ብዱዕ መልሲ ኩሉ እዩ ሰሚዑዎ።

መሊሱ መቕጻእቲ ዝበሃል


2. የሚን- ናይ ኣውራጃ


was movement against corruption in 1977-1978 when most of the town had been liberated by the EPLF . A year after Tewelde was arrested, Solomon became a next target of Issayas and Mesfin Hagos during a period of preparation for the EPLF first organisational congress in 1976, and there was a strong campaign with Cader School (Bet temherti cader) against Solomon  and his group such as Tesfamariam Wedi Basha(who is currently Eritrea's ambassador to Israel)  on the alleged Yemanwi kinfi (right wing) by students at the school.




3. G15- ናይ ኣውራጃ


ብ18 መስከረም ብህዝብን መንግስቲ ስርዓት ኣዝማሪኖ ኤርትራ ዝሓቐቑ ኤርትራውያን ሕትኦም ሕጋዊትን ብቕዋም ትመሓደር ኤርትራ ሕዝቢ ዝውንኖ ስልጣን ክህሉን ዝጠለቡ ምኳኖም ይዝከር።


ሕቶ ጉጅለ 15 እንታይነይሩ?


"ኣድላይነት ምዱብ ኣኼባታት ማእከላይ ሽማግለ" ሓደ ካብ ሕታቶም ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ምዱብ ኣኬባታት ናይ ማእከላይ ሽማግለ ይግበር ዘይምንባሩ፡ ኣብ ውሳኔታትን ሜላታት ተሳትፎ ይጎድሎ ብምንባሩ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ከም ዝልሕልሕ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብቀጻሊ ይገልጹ ነይሮም።



"ገምጋም ናይ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ 1991-2001 ንግበር" ዝብል'ውን ኣካል ሕቶ ናይዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ነይሩ።
"ገምጋም ኣድላይነት ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ክግበር" ዝብል'ውን ተላዒሉ ምንባሩ ብምሕባር፡ እቲ ዝተኻየደ ኵናት ኣድላይነት ኣይነበሮን ዝብል ሰፊሕ ርእይቶ ከምዝነበረ ይነግር።
"ኣብ 1997 ዝጸደቕ ቅዋም ብቅጽበት ንኽትግበር፡ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ይካየድ" ዝብለ ሕቶ ኣካል ሕቶኦም ምንባሩ ይዝከር።

ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ 1977 ኣብ ሳሕል፡ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ 1987 ኣብ ሳሕል፡ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ከምዝተኻየደ ይዝረብ።


ልዕሊ ሓያሎ ስበስልጣን መንግስቲ ነበርን ጋዜጠኛታት ናይ ብሕትን ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣዝማሪኖ፣ በልማማ ካብ ዝቐየደሉ 18 መስከረም፣ መበል 19 ዓመቱ ኣቑጽርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ደሃዮም ክፍለጥ ኣይከኣለን።


ገለ ካብ ሕብረተሰብና ብኣልማማ ኣውራጃውያን ነይሮም እንቛዕ ገበሮም ዝብሉ ማእለያ የብሎምን።



4. ይኣክል- ናይ ኣውራጃ


ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣንጻር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ፡ #ይኣክል ዝብል ምስንቅስቓሳት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጀመርዎ ምንቅስቃስ ኢዩ።


ከም ባይቶ ኮይኑ ቖይሙ ስርሓቱ ካብ ዝጅምር ድሮ ዓመታት ኣቑጺሩ ይርከብ ነዚ ምስቕስቓስ'ውን ብኣውራጃውያን ተጨውዩ ይብሉ።




"እቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸኣ ንሱ እዩ መሊሱ ዚግበር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን።" መክብብ 1፡9

ስለዚ ስርዓት ኣዝማሪኖ ኣተሓሳስብኡ ኣብቲ ሰውራ ዝጀመሮ ክሳብ ሕጂ ይነብር ምህላው ኢዩ።

41 views0 comments

Recent Posts

See All

ፍልስፍናን ንሕናን😇

#ፍልስፍናን #ንሕናን😇 (ክፋል 1) ኣክሱም ንሃገር ኮነ ንዓለም ዝበርከተቶም ውህብቶታት ቆፂርካ ዝዉድኡ ኣይኮኑን። ብፍሉይ ክዓ ሃገረ #ኢትዮጰያ ኣለውኒ ትብሎም ትውፊታት መብዛሕቲኦም ካብ #ባህሊ ክሳብ #ሃይማኖት ፤...

ዘርዓያቆብ (ዘርአ ያቆብ)መን እዩ❓

#ፍልስፍናን #ንሕናን (ክፍሊ 2)😇 ...........ዝቀፀለ. #ዘርዓያቆብ መን እዩ❓ ብዙሓት ሰባት #ኣፄ ዘርዓያቆብን #ፈላስፋ ዝርዓያቆብን ሓደ ገይሮም እዮም ዝወስድዎ።🙌😂 #ኣፄ ዘርዓያቆብ ኣፄ ዘርዓያቆብ ብ...

Comments


Post: Blog2 Post

THE GE'EZ TIMES

Subscribe Form

Thanks for submitting!

  • Facebook
  • Twitter
  • Instagram

©2018 by The Ge'ez Times. Proudly created with Wix.com

bottom of page