ሓረግ ቤተሰብ
ትግርይና ሃብታም ምዃኑ ንምግላፅ፡ እዙ ዝስዕብ ሓረግ ቤተሰብ ክሳብ ክንደይ ኣድቂቑን ፈላልዩን ከምዘቐምጥ ምርኣይ እኹል እዩ። ንኣብነት፥ እንግሊዝ ”Aunt“ ንመነን ምዃኑ ከይፈለየ ብሓንቲ ቃል ንብዙሓት ከም ሓደ ይውክል።፥ ብትግርይና ግን ”ሓትኖ“፣ ”ኣሞ“፣ ”ሰይቲ-ሓወቦ“፣ ”ሰይቲ-ኣኮ“ ቢሉ ፈላልዩ በብናህተን ሥም ይጸርሐን። ከምዙ ዓይነት ንጹር ኣቃውማ ቤተሰብ ዘማዕበለ ማሕበራዊ ክብርታን ቅርጽታትን ሓደ ካብቶም መለለዪ ስልጡን ህዝቢ እዩ።
______
ስድራቤት
፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟
Father ኣቦ፣ ወላዲ
Mother እኖ፣ ኣዶ፣ ኣደ፣ ወላዲት፣ እመ✔️
Husband በዓል-ቤት፣ ሰብኣይ፣ በዓል-ሓዳር፣ ኣቦ-ቤት
Wife በዓልቲ-ቤት፣ ሰይቲ፣ መርዓት፣ በዓልቲ-ሓዳር፣ እመ-ቤት
Son ወዲ፣ ውሉድ
Daughter ጓል፣ ውልድቲ
Brother ሓው፣ ኅው
Sister ሓውቲ፣ ኅውቲ
______
ወለዶታት
፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟
Great Grandfather ወላዲ ንኣባሓጎ፣ ወላዲ ንእኖሓጎ፣ ወላዲ ንዓባይ
Great Grandmother ወላዲት ንኣባሓጎ፣ ወላዲት ንእኖሓጎ፣ ወላዲት ንዓባይ
Grandfather ኣባሓጎ
Grandmother እኖሓጎ፣ ዓባይ፣ እመ-ሓጐ
Grandson ወዲ-ወዲ፣ ወዲ-ጓል
Granddaughter ጓል-ወዲ፣ ጓል-ጓል
______
ኣዝማድ
፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟
Uncle ኣኮ፣ ሓወቦ፣ ሰብኣይ-ሓትኖ፣ ሰብኣይ-ኣሞ
Aunt ሓትኖ፣ ኣሞ፣ ሰይቲ-ሓወቦ፣ ሰይቲ-ኣኮ
Cousin ወዲ-ሓወቦ፣ ጓል-ሓወቦ፣ ወዲ-ኣኮ፣ ጓል-ኣኮ፣ ወዲ-ኣሞ፣ ጓል-ኣሞ፣ ወዲ-ሓትኖ፣ ጓል-ሓትኖ
Niece ኣጎስማ፣ ጓል-ሓው፣ ጓል-ሓውቲ
Nephew ኣጎስማ፣ ወዲ-ሓው፣ ወዲ-ሓውቲ
______
መውሥቦ
፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟
Mother in law ሓማት
Father in law ሓሙ፣ ሓሞ (ኣቦ ሰብኣያ)
Sister in law ንዕልቲ (ሓፍቲ ሰብኣያ): ሰይቲ ሓዋ፡ ሰይቲ ሓሙታ፡ ሰይቲ ዘማኡ/ዘምኡ፡ ዘማ (ሓውቲ ሰበይቱ)
Brother in law ሓሙት (ሓው ንሰብኣያ): ዘማ (ሓው ንሰበይቱ)፡ ሰብኣይ ሓፍተይ፡ ሓኖ (ሰብኣይ ዘማኡ/ዘምኡ):
Wife of Brother in law ሓነ
Son in law ናኽራይ፣ ሰብኣይ-ጓል
Daughter in law ሰይቲ-ወዲ
______
ሕውስዋስ
፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟
Stepfather ሰብኣይ-ኣደ
Stepmother ሰይተቦ፣ ሰበይቲ-ኣቦ
Stepson ወዲ-ሰብኣይ፣ ወዲ-ሰበይቲ፣ ውላድ በዓል-ቤት፣ ውላድ በዓልቲ-ቤት
stepdaughter ጓል-ሰብኣይ፣ ጓል-ሰበይቲ፣ ውላድ በዓል-ቤት፣ ውላድ በዓልቲ-ቤት
stepsister ጓል ሰብኣይ-ኣደ፣ ጓል ሰይተቦ
half sister ጓለቦ፣ ጓለዶ፣ በቦ-ሓውቲ፣ በደ-ሓውቲ
stepbrother ወዲ ሰብኣይ-ኣደ፣ ወዲ ሰይተቦ
half brother ወደቦ፣ ወደኣዶ፣ በቦ-ሓው፣ በደ-ሓው
______
ተወሳኺ
፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟
Orphan ዘኽታም
Guardian መጉዚ፣ መጉዚት
Widow መበለት
Divorced ፍቱሕ፣ ሓያም
Source
https://www.facebook.com/anuk.sunamon
Comments