top of page

ሓረግ ቤተሰብ

Writer's picture: The Gee'z TimesThe Gee'z Times

ሓረግ ቤተሰብ



ትግርይና ሃብታም ምዃኑ ንምግላፅ፡ እዙ ዝስዕብ ሓረግ ቤተሰብ ክሳብ ክንደይ ኣድቂቑን ፈላልዩን ከምዘቐምጥ ምርኣይ እኹል እዩ። ንኣብነት፥ እንግሊዝ ”Aunt“ ንመነን ምዃኑ ከይፈለየ ብሓንቲ ቃል ንብዙሓት ከም ሓደ ይውክል።፥ ብትግርይና ግን ”ሓትኖ“፣ ”ኣሞ“፣ ”ሰይቲ-ሓወቦ“፣ ”ሰይቲ-ኣኮ“ ቢሉ ፈላልዩ በብናህተን ሥም ይጸርሐን። ከምዙ ዓይነት ንጹር ኣቃውማ ቤተሰብ ዘማዕበለ ማሕበራዊ ክብርታን ቅርጽታትን ሓደ ካብቶም መለለዪ ስልጡን ህዝቢ እዩ።



______


ስድራቤት


፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟


Father ኣቦ፣ ወላዲ


Mother እኖ፣ ኣዶ፣ ኣደ፣ ወላዲት፣ እመ✔️


Husband በዓል-ቤት፣ ሰብኣይ፣ በዓል-ሓዳር፣ ኣቦ-ቤት


Wife በዓልቲ-ቤት፣ ሰይቲ፣ መርዓት፣ በዓልቲ-ሓዳር፣ እመ-ቤት


Son ወዲ፣ ውሉድ


Daughter ጓል፣ ውልድቲ


Brother ሓው፣ ኅው


Sister ሓውቲ፣ ኅውቲ


______


ወለዶታት


፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟


Great Grandfather ወላዲ ንኣባሓጎ፣ ወላዲ ንእኖሓጎ፣ ወላዲ ንዓባይ


Great Grandmother ወላዲት ንኣባሓጎ፣ ወላዲት ንእኖሓጎ፣ ወላዲት ንዓባይ


Grandfather ኣባሓጎ


Grandmother እኖሓጎ፣ ዓባይ፣ እመ-ሓጐ


Grandson ወዲ-ወዲ፣ ወዲ-ጓል


Granddaughter ጓል-ወዲ፣ ጓል-ጓል


______


ኣዝማድ


፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟


Uncle ኣኮ፣ ሓወቦ፣ ሰብኣይ-ሓትኖ፣ ሰብኣይ-ኣሞ


Aunt ሓትኖ፣ ኣሞ፣ ሰይቲ-ሓወቦ፣ ሰይቲ-ኣኮ


Cousin ወዲ-ሓወቦ፣ ጓል-ሓወቦ፣ ወዲ-ኣኮ፣ ጓል-ኣኮ፣ ወዲ-ኣሞ፣ ጓል-ኣሞ፣ ወዲ-ሓትኖ፣ ጓል-ሓትኖ


Niece ኣጎስማ፣ ጓል-ሓው፣ ጓል-ሓውቲ


Nephew ኣጎስማ፣ ወዲ-ሓው፣ ወዲ-ሓውቲ


______


መውሥቦ


፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟


Mother in law ሓማት


Father in law ሓሙ፣ ሓሞ (ኣቦ ሰብኣያ)


Sister in law ንዕልቲ (ሓፍቲ ሰብኣያ): ሰይቲ ሓዋ፡ ሰይቲ ሓሙታ፡ ሰይቲ ዘማኡ/ዘምኡ፡ ዘማ (ሓውቲ ሰበይቱ)


Brother in law ሓሙት (ሓው ንሰብኣያ): ዘማ (ሓው ንሰበይቱ)፡ ሰብኣይ ሓፍተይ፡ ሓኖ (ሰብኣይ ዘማኡ/ዘምኡ):


Wife of Brother in law ሓነ


Son in law ናኽራይ፣ ሰብኣይ-ጓል


Daughter in law ሰይቲ-ወዲ


______


ሕውስዋስ


፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟


Stepfather ሰብኣይ-ኣደ


Stepmother ሰይተቦ፣ ሰበይቲ-ኣቦ


Stepson ወዲ-ሰብኣይ፣ ወዲ-ሰበይቲ፣ ውላድ በዓል-ቤት፣ ውላድ በዓልቲ-ቤት


stepdaughter ጓል-ሰብኣይ፣ ጓል-ሰበይቲ፣ ውላድ በዓል-ቤት፣ ውላድ በዓልቲ-ቤት


stepsister ጓል ሰብኣይ-ኣደ፣ ጓል ሰይተቦ


half sister ጓለቦ፣ ጓለዶ፣ በቦ-ሓውቲ፣ በደ-ሓውቲ


stepbrother ወዲ ሰብኣይ-ኣደ፣ ወዲ ሰይተቦ


half brother ወደቦ፣ ወደኣዶ፣ በቦ-ሓው፣ በደ-ሓው


______


ተወሳኺ


፟፟፟፟፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟፟ ፟ ፟ ፟


Orphan ዘኽታም


Guardian መጉዚ፣ መጉዚት


Widow መበለት


Divorced ፍቱሕ፣ ሓያም


Source

https://www.facebook.com/anuk.sunamon

 

89 views0 comments

Recent Posts

See All

ፍልስፍናን ንሕናን😇

#ፍልስፍናን #ንሕናን😇 (ክፋል 1) ኣክሱም ንሃገር ኮነ ንዓለም ዝበርከተቶም ውህብቶታት ቆፂርካ ዝዉድኡ ኣይኮኑን። ብፍሉይ ክዓ ሃገረ #ኢትዮጰያ ኣለውኒ ትብሎም ትውፊታት መብዛሕቲኦም ካብ #ባህሊ ክሳብ #ሃይማኖት ፤...

ዘርዓያቆብ (ዘርአ ያቆብ)መን እዩ❓

#ፍልስፍናን #ንሕናን (ክፍሊ 2)😇 ...........ዝቀፀለ. #ዘርዓያቆብ መን እዩ❓ ብዙሓት ሰባት #ኣፄ ዘርዓያቆብን #ፈላስፋ ዝርዓያቆብን ሓደ ገይሮም እዮም ዝወስድዎ።🙌😂 #ኣፄ ዘርዓያቆብ ኣፄ ዘርዓያቆብ ብ...

Comments


Post: Blog2 Post

THE GE'EZ TIMES

Subscribe Form

Thanks for submitting!

  • Facebook
  • Twitter
  • Instagram

©2018 by The Ge'ez Times. Proudly created with Wix.com

bottom of page