top of page

ሸፋቱና በጃካ ንእግዝኣቢሄር ዘየታለልዎ የለን

Writer's picture: The Gee'z TimesThe Gee'z Times

ሸፋቱና በጃካ ንእግዝኣቢሄር ዘየታለልዎ የለን

ሸፋቱና ንህንጸት ደኣ ኣይትበሎም እምበር ንዕንወትስ ሊቃውንቲ’ዮም። እቲ ክቡር መጽሓፈ መጻሕፍቲ መርሓብሄር ኣከለጉዛይ ኣብ ድግሣ ተዓቂቡ ነበረ። ኣብ እንዳቦይ ቀነጅማት ተስፋዮውሃንስ። ኣብ ገዛ እንዳ ሓበን ድግሣና ዝኾነት ኣደ ኣስገደት ተስፋዮውሃንስ (ሞሞና ኣብ ፓልቶክ) ሕጂ ነባሪት ሮቶርዳም ኣብ ኔዘርላንድ ዘላ’ያ። ሸፋቱና ነዚ ሕጊን ኣዕኑድን ሕብረተሰብ ዝኾነ ክቡር መጽሓፍና ኣብ 1978 ንሳሕል ወሲዶም ኣጥፊኦም’ዮም። ልክዕ ከምቲ ነሕዋትና ንሳሕል ወሲዶም ዘጥፍእዎም። ስለዝስ ኣንቱም ተንብቡ ዘለኹም ኣሕዋት፡ ካልእስ ይትረፍ'ሞ፡ ነዛ መጽሓፈ ሕጊ ዝኾነት መጽሓፈ ኣከሎጉዛይና ካብ ህዝቢ ኣሕዲጎም ብምውሳዶምስ፡ ሸፋቱና ንሕግን ሕብረተሰብናን ንምጥፋእ'ዮም ተቓሊሶም እንተበልናዮምስ ኣብ ኩውንነት ዝረኣናዮ ሓቂ’ዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ብዛዕባ’ዚ ዘማጉት የብልናን።

ንሕና ኣቐዲምና መርገጺና ኣፍሊጥና ኢና። ንሳ ድማ ነታ ሰብ ጽዒና ዘላ መኺና ኣይኮናን ሽፍታ ንብላ ዘሎና ነቲ ናብ ገደል ዘእተዋ ኣውቲስታኣ ኢና ሽፍታ ንብሎ ዘሎና ኢልና ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ኣተንቢህና ኔርና። ነታ ሓረግ ድኣ ትነጥሩዋ ከይትህልዉ እምበር ። ገለ ገለ’ውን ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ፈተሪኖታት'ውን ምስቲ ሽፍታ’ዮም ዝብሉ ኣይተሳእኑን። ንውጹዓት ማለት ነቲ ሙዉትን ንስንኩልን ነቲ ዘሎ ተጋዳላይን ልዕለይ ዝሓዝነሉ የለን፡ እቲ ዘሕዝነካ ግን ልዕሌና ዝብጽሕዎምን ዝጉህዩሎምን ዝመስሉ ሰባት ብምህላዎም'ዩ። ተጋዳላይ መጥፍኢ ነብሱን መጥፍኢ ሕብረተሰቡን ባዕሉ’ዩ ሰሪሑ። ንባዕሎም ጠፊኦምስ ንዓና’ውን ኣጥፊኦምና። ሕጂ ኣብ ስደት ኮይኖም ድማ ድሕሪ ሞቶም ድሕነት ዝጽበዩ በዚሖም ብምህላዎም'ዩ። ኣቡኡ ንፕሮፌሶር ዉፉይ ሙዉት’ዩ። ዉፉይ ኣቦይ ሙዉት'ዩ እንተበለስ ካበይናይ ዓለም ዘመጸ’ዩ ኣብ ልዕሊ ዉፉይ ዘውጠጢ። ልዕሊ ዉፉይ ነቦ ዉፍይ ዝሓልየሉ እንተልዩ መቸም ናይዚ ዓለምና ኣይኮነን፡ ወይ ድማ ብህዋሳት ኢሳይያስ ዝንቀሳቀስ'ዩ። ስዉኣት ንኹልና ማዕረ’ዮም ዝብጽሑና። ዝኾነ ስዉእ መቸም ነዛ ዘላ ኤርትራ ከምዘምጽኣልና ኩልና ነረጋግጾ ሓቂ’ዩ፡ ግን ነዛ ዘላ ኤርትራ ምዃኑ እንተዝፈልጥ መስዋእቱ፡ ብፍጹም ኣይምተሰውአን። ስለዝስ ኣብ ዘይፈልጣ ኤርትራ’ዩ ሞይቱ። ኣብ ዘይሓሰቦ ስለዝጠፍአስ ግዳይ'ዩ ንዓይ ኣዝዩ ውጹዕ። ንሕጊ እንዳቡኡን፡ ንወዱን ንጓሉን፡ ንሰበይቱን ንኣሕዋቱን፡ ነኣቡኡን ነኣዲኡን፡ ንግራቱን ንርስቱን ከጥፍእ ዝስዋእ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን ብዘይካ ተጋደልትና።

ብዝኾነ እቲ ኣብ ድግሣና ዝተኻየደ ደብዳብ ክሳብ ሕጂ ስምብራቱ ኣይሃሰሰን። ህዝቢ ኣኪቦም ጠጢቆምናስ ናብ መን'ዮም ከላግብዎ ደልዮም እቲ ወንጀል ዘገርም'ዩ። ሸፋቱና መቸም ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዘይጥቀሙሉ ሜላ ኣይነበረን። ካብ ተሓታትነት ናይ’ዚ ኹሉ ደም ንምህዳም ኢሎም ንኹቡር ኣቦ በዓል ድግሣ ኣወንጀልዎ። ዓድና እቲ ዝያዳ ዘሕዝነኒ ግን ክሳብ ሕጂ ቁንጣሮ ደቂ ድግሣ ነታ ብሸፋቱና ዝተዘርግሐት ወረ ክሳብ’ዛ ሰዓት እዚኣ ነዚ ሰብኣይ’ዚ ከም ሓሳዊ ንኣምን ምህላውና'ዩ።

ሓደ ግዜ ኣብ Animal Farm ትብል ፍርያት ኤሪክ ብለየር (ጆርጆ ኦርዌል) ዝኾነት መጽሓፍ ደስ ዝበለትኒ ዘንበብኩዋ ነጥቢ ናባኹም ከብላ ፍቐዱለይ። ናይ እንስሳታት ብሰብ ዝወረዶም ዓመጽን ቅትለትን እተንጸባርቕ መጽሓፉ ካብኣ ገለ ቁንጭል ኣቢለ ናባኹም ከብላ። “No animal in England is free. The life of an animal is misery and slavery: that is the plain truth. "But is this simply part of the order of nature? Is it because this land of ours is so poor that it cannot afford a decent life to those who dwell upon it? No, comrades, a thousand times no!” ሞያውያን ተርጎምቲ’ኳ እንተዘይኮና ግን ከኣ ሓፈሻዊ ሓርፋፍ ትርጉማ’ዩ ነዚ ይመስል። “ዝኾነ እንስሳ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ነጻ ኣይኮነን፡ ስለዚ ናብራ እንስሳ ሕሰምን ባርነትን ዝመልኦ’ዩ ምባል ብሩህ ዝኾነ ሓቂ’ዩ። ግን'ከ ከምዚ ምዃኑ ትእዛዝ ተፈጥሮ’ዶ ይመስለኩም? መሬትና’ኸ ንዓና ክትቅልብ ዘይምኽኣላ እቲ መሬት ድኻ ስለዝኾነ ዶ ይመስለኩም? ኣይኮነን ብጾት፡ 1000 ግዜ ኣይኮነን እበለኩም ኣለኹ” በለ።

ኣንቱም ድግሣ ዓድና፡ እቲ ኣብ ዓድና ዝተኻየደ ቅዝፈት ናይ ኣሕዋትና ከምቲ ሸፋቱና ዘውረዩዎ ንሓደ ኣቦና ሓሳዊ ኢሎም ዘወንጀልዎ ሓቂ ዶ ይመስለኩም፡ ኣይኮነን እብለኩም ኣሎኹ ዓድና፡ ሽሕ ግዜ ኣይኮነን ይብለኩም ኣለኹ። ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባጉንባሕስ ዛግራ ይብልዋ’ዩ ነገሩ። ዓድና ልቢ ንግበር። ዘክሩ ኣብቲ ግዜ’ቲ ደቀምሓረ ኣብ ትሒቲ ሸፋቱ’ያ ወዲቓ ዝነበረት ሠገነይቲ’ውን ከምኡ። ዓድቀይሕ ድማ ኣብ ትሕቲ ደርግ ኮይና ግን ከኣ ኣንጭዋ ክትኣቱ ክሳብ ዘይትኽእል ብሸፋቱና ተኸቢባ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ድፋዕ’ያ ዝነበረት። እሞ’ኸ ድኣ ዓድና እዚ ሓረስታይ’ዚ ኣብ ድግሣ ኮይኑ ብምንታይ መሳርሒ’ዩ ምስቶም ንዓድና ዝደብደቡዋ ተራኺቡ። ብምንታይ ተንቃሳቃሲ ቴለፎን ብምንታይ ቴለኮሙኒካሽን'ዩ ተራኺቡ። ዶ ዋላስ ኣብታ ህድሞኡ ንዓለም ሙሉእ ከተራኽቦ እትኽእል ሳተላይት ኔራቶ’ያ ኢልና ኢና ንሓስብ ዘሎና?

ብዝኾነ ኣብቲ ግዜ’ቲ ብሸፋቱና ዝተኣወጀ ኣዋጅ “እቲ ከዳዕ ብነፋሪት ጌሩ ኣማኢት ዘህለቐ ብሞት ክቕጻዕ ኣለዎ ኢሎም ኣወጁ። ምስኪናይ ዓዃይ ያኢ ካብ ደቁን፡ ደቂ ደቁን፡ ደቂ ዓዱንስ ያኢ ኣምሓራ ዝያዳ ተበጺሖሞ? ዝገርም'ዩ። እቲ ዝያዳ ዝገርም ግን ፍጻሜ ኣደይ ኢታይ ጀመርን እዛ ደብዳብን ኣብ ዝተፈላለየ ዓመተምህረት’የን ኔረን። ሸፋቱና ከመይ ጌሮም ኣብ ሓደ ሁመት ጌረመን ኣይፈልጥን።

ቅድሚ 2 ዓመት ኣቢሉ ብሸፋቱ ሳሕል ዝወጸት ድራማ ተኸታቲለያ። ንኣብ ፈይስቡክ ዝዘርግሓልና ንDaniel Temnewo ብዙሕ ምስጋናይ ይብጸሓዮ። እታ ድራማ ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጻሜታት ሓቚፋ ትርከብ። እቲ ናይ መጀመርያ ክፋላ ደብዳብ ነፈርቲ ናይ 1978 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ድግሣ ከተዘንቱ ከላ እቲ ናይ መወዳእታ ክፋላ ድማ ታሪኽ ኣደይ ኢታይ ጀመር ተወሲኹዋ’ሎ።

ናይጀርያዊ ሳይንቲስት ፊሊፕ ኤሚግዋለ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ጽሑፉ “ደቂ ሰባት ብምስትውዓል ኢና ንነብር ኢሉ ኔሩ”። ሓቂ ብሓቂ ጉሩም ዝኾነ ነጥቢ። ሸፋቱና ንምስትውዓልና ወሲዶሞ’ኳ እንተኾኑ እዚ ኣብ ዓድና ዘውረድዎ ገበን ግን ረቂቕ ምስትውዓል ዘድልዮ ኣይመስለንን፡ ሓደ ህጻን ዝፈልጦ ሽጣራ’ዩ።

ዓድና ሓንቲ ዕላል ከዕልለኩም። ባላን ተሞርኮስ ዓብን ተወከስ'ዩ ነገሩ፡ ንሓንቲ ለባምን ኣግዓዚትን ዝኾነት ሰበይቲ ጓል ድግሣ ተወከስኩ፡ ኣንቲ ኣደይ እከለ ናይ በሓቂ ድዩ’ዚ ኣቦይ የማኑ ከምዚ ጌሩ ዝበሃል በልኩዋ፡ ዋእ ዝወደይ ኣይትጋገ ኣይገበሩን ኮምኡ በለትኒ፡ ብከመይ ደኣ ኮምኡ ኢልኪ በልኩዋ ምኽንያቱ ኣነ ኣብታ ውዕሎ ኔረ፡ ደቆም ኣብኣ ከምዝነበሩ ባዕለይ ኣሎኹኻ ምስክር ዝወደይ በለትኒ። ድሓር ከኣ ኣነ ንዓድና ከደብድባ እንተኾይነ ሽዓ መዓልቲ ንደቀይ ኣብ በረኻ መውዓልኩዎም ወይ ድማ ኣብ ገዛ ምዓጸኹዎም ናብታ ጓይላ ኣይምሰደድኩዎምን ምስ በለትኒ ሰንበድኩ።

ብዝኾነ ሸፋቱና ነታ ፍጻሜ ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልኩዎ ነቲ ሓሳዊ ኢሎም ዘጠመቑዎ ሰብኣይን ነደይ ኢታይ ጀመርን ብሓንሳብ ኣላጊቦም'ዮም ሰሪሖማ። ስለዝስ መብዛሕትና ደቂ ድግሣ ድማ ሓቀኛ ታሪኽ ድግሣ ኢልኩም ሼር ኢልኩማ ኔርኩም ዓድና። ሼር ክትብሉዋ ከለኹም ድማ ሓቀኛ ታሪኽ ናይ ኣደይ ኢታይ ጀመር ኢልኩም ኔርኩም፡ ነታ ምስኣ ዝሰደዱዋ ግናይ መርዚ ግና ኣየስተብሃኩሙላን ዓድና። ሸፋቱና በጃካ ንእግዝኣቢሄር ዘየታለልዎ ፍጡር የልቦን። ሓደ ጅግናን መስተውዓልን ሓወይ ግን ኣስተውዒሉላ። እታ ጽሕፍቲ ከም ዘላታ ብዕለት 07 ነሓሰ 2017 ብለኣከ ገብረሥላሤ ተሥፋገርግሥ ዝተጻሕፈት’ያ እንሀት ብህየታ (ብሂወታ) “ናይዚ ኹሉ ዝወረደ ህልቂት ተሓታቲ ደርጊ ዘይኮነ ህግ’ዩ። እዚ ንህዝቢ ድግሳ ንምትላል ተባሂሉ ተሰናኒዑ ዝተሰርሐ ታሪኽ ኩሉ ሓሶት እዩ።እቲ ትኽክለኛ ታሪኽ ህግደፍን እቶም ተበለጽቲ ዝነገሰ ንጉስና ዝብሉ ሕብረተሰብ ካብ ገጽ መሬት ኤርትራ ተሓኺኾም ምስ ጠፍኡ ወናኒ ናይቲ ገጂፍ ታሪኽ ዝኾነ ህዝቢ ድግሳ ባዕሉ ከዘንትዎ እዩ” ። ኢሉ ነዛ ቪድዮ መልሲ ሂቡላ ኔሩ ኣጌናዕ ለኣከማርያም።

ይቕጽል

4 views0 comments

Recent Posts

See All

ፍልስፍናን ንሕናን😇

#ፍልስፍናን #ንሕናን😇 (ክፋል 1) ኣክሱም ንሃገር ኮነ ንዓለም ዝበርከተቶም ውህብቶታት ቆፂርካ ዝዉድኡ ኣይኮኑን። ብፍሉይ ክዓ ሃገረ #ኢትዮጰያ ኣለውኒ ትብሎም ትውፊታት መብዛሕቲኦም ካብ #ባህሊ ክሳብ #ሃይማኖት ፤...

ዘርዓያቆብ (ዘርአ ያቆብ)መን እዩ❓

#ፍልስፍናን #ንሕናን (ክፍሊ 2)😇 ...........ዝቀፀለ. #ዘርዓያቆብ መን እዩ❓ ብዙሓት ሰባት #ኣፄ ዘርዓያቆብን #ፈላስፋ ዝርዓያቆብን ሓደ ገይሮም እዮም ዝወስድዎ።🙌😂 #ኣፄ ዘርዓያቆብ ኣፄ ዘርዓያቆብ ብ...

Σχόλια


Post: Blog2 Post

THE GE'EZ TIMES

Subscribe Form

Thanks for submitting!

  • Facebook
  • Twitter
  • Instagram

©2018 by The Ge'ez Times. Proudly created with Wix.com

bottom of page