▼△◊ ባሐረ (ባሕሪ) ባ+ሓረ=ሠራፂ ▼△◊
ባሕሪ፡ ባሕርያት፡ ባሕራዊ፡ ባሕርያዊ፡
ቅድመ ክርስትናን እስልምናን ዝነበረ ሥርዓተ እምነትና፡ ባዕዳውያን ዝኸሠቱልና ብዘይኮነስ፡ ባዕላትና ኣእመርሚርና ከነዐወቆ ክንበቅዕ ምስ ከኅልና እይዩ፣ ናይ እመዋትናን ኣበዋትናን ሥነ-ልቦናዊ ፍልሥፍና ከነእምሮ ንበቅዕ።
ባ-ሓር ዝብል ብክልተ ቃል ዝተሓንፀ ቃል እይዩ።
ባ ዝብል ቃል ሓደ ኮይኑ ብቀጥታ እዙይ ፊደል ንባዕሊ ሠራፂ (መንፈሥ) ዝውክል እይዩ። እቱይ ሓር ዝብል ቃል'ውን ዓርሱ ዝኸኣለ ቃል እይዩ ተወሓሒዶም ሓደ ቃል ይፈጥሩ።
ሓር ዝብል ቃል እሣት እይዩ፣ ብከመት ፀሓይ ትሥከም እሣታዊት ፍጥረት እይዩ። ሓሪ (ሃሪ) ንብሎ ወይ ሓራር፡ ሓረረ፡ ሓረሮ፡ ሕራር ወዘተ እንብሎ ብህለት ካብ ሓረ መሠረት ገቢሩ ዝብገሥ ይኾን፣ ከማኡ'ውን ሓርነት ክንብል ከለና መሠረቱ 'ሓረ' እይዩ።
እቱይ ባሕረ ልሳና ኣሠናሥሉ ሠፊሕ ሥለ ዝኾነ ምፍላጥ ዘይኮነስ ምእማር የድሊ። እንበኣር እቱይ ሓረ እሣታዊ ሞለኮታ ብህለት እይዩ። እቱይ ባሕሪ ቢልና እንርድኦ ሓደ ክፋል ናይዚ እይዩ ኩሉ ፍጥረት እትፈጥር ማያዊ ክፋላሃታ እይዩ።
እቱይ ባን ሓረን ክፀናበር ከሎ እንበኣር መንፈሠ-እሣት ብህለት እዩ፡ ባሕረ እሣት ድላዩ ክፈጥር ዝኽእል ሓይሊ እይዩ። ወርቂ፡ ቀላይ፡ እምኒ፡ ማዕድናት፡ ማይ፡ ንፋስ፡ መሬት ወ.ዘ.ተ ኩሉ ነገራት ክፈጥር ዝኽእል ሓይሊ እይዩ።
እንበኣር በዙይ መንፅር እያቶም እመዋትናን ኣበዋትናን መሠረተ ፈጣርነት በኣሥያን ዘምልኹ፡ ከረበ ወይ ኰርባ ሞኰራብ ዝብል ምሣለ ይገብሩ እዙይ ብህለት ኣብ መንጎ ክልተ ኰርባ ትቅልቀል ጸሓይ ብህለት እይዩ እዙይ ንፈልጦ እንበር ኣይነእመሮን እይና።
ብቀጥታ ምስ በኣሢት እመ ክትርዕይ ከላ ክትፈጥር ብህለት እይዩ፣ ንሕፃና ቀቢኣ እይያ ትፈጥሮ እቱይ ሓር ፈሣሢ፡ ሓረታ ካብ ከርሣ ዝወፅእ ማይ ሕወታ መትሪ፡ ነዝዒ፡ ራሕሢ ኩሉ ካብ ውሥጠ ውሣጠ ኣካላታ ዝወፅእ ደመ ሒወታ ከምዚ ሕዚ ተፈንፋኒ ከይቆጸርናዮ ቅዱሥን ቅቡእን እይዩ ዝነበረ።
ብሕጽር ዝበለ እምነትና ነታ እመ-በኣሢት እመ-መድርን እይዩ ዝነበረ። ድሕሪ ናብ ክርስትናን እስልምናን ምግዓዝና ኢይና ንኹሉ እቱይ ዘትካታዊ እምነትና ኣፀያፊ ገቢርና ናብቱይ ሓዱሽ እምነት ወጊንና በዙይ መንጽር ከዓ ባሕርናን መሠረትናን ጠፊኡና።
ንመወሠኽታ ኣብ ምድረ ቡር ወረዳ ፀንዓፈ እም-ባ መጠራ ዝብል ዘትካታዊ በተ መቕደሥ ኣሎ ብኸምዚ መልከዐ ትርጓመ ኣይነእምሮን እይና። እመ በኣሢት ኣምላኽነታ እትቅበለሉ ደዠን በተ መቕደሥ ሥፍራ እይዩ ዝነበረ።
ባሕር ባሕርያዊ
ባሕርያዊ እንብሎ ሓደ ብዘይ ሓውሠ ተግባራት ኣዳማዊ ሥረሓት ተፈጢሩ፣ ብክሡት ይኩን ብሥውር ኣብ ዓውደ ወይ ዙርያ ሒወተ ኣዳማዊ ዓለም ብህላወ ዝርከብ እይዩ።
ኣዝርእቲ ብኢደ ኣዳም ዘይተገሠ ኢደ ኣደም ዘይሓለፎ ዘራእቲ ባሕርያዊ ንብሎ። ብኢደ ኣዳማዊ ዝተገሡ ዘራእቲ ባሕርያዊ ኣይኮነን።
መፋጥርትኻ ምሳኻ ሓቢሩ ዝፍጠፍ ነገር ባሕርያዊ ንብሎ።
ኢደ ኣዳማዊ ዘይሓለፎ ብህለት እይዩ።
#phoenix ሓር Horus
Egyptian Gods ♻️
(in classical mythology) a unique bird that lived for five or six centuries in the Egyptian desert, after this time burning itself on a funeral pyre and rising from the ashes with renewed youth to live through another cycle.
ዘትካታዊ ኣፈታሪኽ ኣብ ከመት (ምፅሪ) ምድረ በዳ ንሓሙሽተ ክሳብ ሹዱሽተ ክፍለ ዘመን ክነብር ዝኽእል ሓደ ካብ ኣዕዋፍ ሠመያት ዝኾነ እንሠሣ እይዩ። ድሕሪ እዙይ ግዜ ነብሡ የሕርረ'ሞ ድሕሪኡ ካብ'ቲ ሓሙኰሽቲ ከም በሓድሽ ይትንሥእ ናብ ምሕዳሥ ሒወት ይበጽሕ ከሙእ እናበለ ንዘንተአለት ይነብር። ከመታውያን ነዚ እንሥሣ ካብቶም ብዙሓት ኣማልኽቶም ሓደ እይዩ ሓር ወይ horus ይበሃል።
△ትንሣኤ እመ በኣሢት▼
Source
መእመር በኰረ
Bokre's Academy
Wikipedia
The ge'ez times
August- 25- 2020
Comments