ኣቦ ባሻይ ኣውዓሎም (ኣቶ ሓረጎት) ካብ ባጽዕ ናብ ትግራይ ጨው ብምውሳድን ካብ ትግራይ ከባቢታት ዓድዋን ኢንቲጮን ድማ ናብ ኤርትራ ከም ከብቲ፡ ጤለ በጊዕ፡ በርበረን ጌሶን ካልእ ናይ ንግዲ ንብረትን እናኣማላለሱ ብንግዲ ዝመሓደሩ ዝነበሩ ተቐማጢ ባጽዕ እዮም ዝነበሩ። በዚ ምኽንያት ካኣ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ወ/ሮ ንጽሃ ሓጎስ ኣብ ፍቕሪ ኣተዉ እሞ፡ ብ1870 ካኣ ንሓደ ባሻይ ኣውዓሎም ጥራሕ ወለዱ። ባሻይ ኣውዓሎም ድማ፡ ናይ ኣቡኦም ስራሕ ሒዞም ካብን ናብን ኢንቲጮንህን ባጽዕን ምምልላሶም ቀጸሉ እሞ፡ ጣልያን ካብን ናብን ኤርትራን ስግር መረብን ኣብ ንግዲ ዝዋፈሩ ሰባት ኣብ ስርሓት ስለያ ክተሓባበሩዎም ሃሰው ኣብ ዝበሉሉ እዋን እዮም ብሓበሬታ ሓበሬታ ንባሻይ ኣውዓሎም ኣብ ትሕቲ ቅጹጹሮም ዘእተዉዎም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ጀነራል ባራቴሪ ኣረስቲድ ተጸዊዕም ድማ፡ ስግር መረብ ተሳጊሮም ኣተሓሕዛን ምድላዋትን ሰራዊት ምኒሊክ ብንጹር መጽናዕቲ ከካይዱ ልኢኾም ድማ ናብ ትግራይ ኣፋነዉዎ። ንሶም ድማ፡ ንሃጸይ ምኒሊክ ብኣካል ረኸቡዎ እሞ፡ ጣልያን ክወሮም እደሊ ምህላዉን ንኣወዳድባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝምልከት ደቂቕ መጽናዕቲ ክገብረሎም ከም ዝላኣኹዎምን ሓበሩዎም።
ንጉስ ኢትዮጵያ እቲ እዋን ዝነበሩ ሃጸይ ካኣ ከምዚ በሉዎም
”…..በል ሃጸይ ምኒሊክ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤት ክርስትያን’ዩ ዝውዕል እሞ፡ እቲ ኲናት ሰንበት እንተገበርናዮ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከይተወደበ ስለ ዝጸንሕ፡ ነቲ ኲናት ብቐሊሉ ክንዕወተሉ ንኽእል ኢና ኢልካ የእምኖም! ኣነ ካኣ ሰራዊተይ ሒዘ ሰንበት ምድሪ ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ክጽበየካ እየ ብምባል ናብ ኤርትራ ኣፋነዉዎም።”
ባሻይ ኣውዓሎም ድማ፡ ናብ ኤርትራ ብምምላስ፡ ንጣልያን ብመሰረት እቲ ምስ ሃጸይ ምኒሊክ ብምስጢር እተሰማምዑሉ ነቲ ኲናት ሰምበት ከም ዝውዕል ብምግባር ሰራዊት ጣልያን መሪሖም መረብ በጽሑ’ሞ። ነቲ ብጀነራል ኣልቤርቶኒ ዝምራሕ ሰራዊት ጣልያን ኮነ ኢሎም ናብቲ ብራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ እተመርሐ 500 ፈረሰኛታት ብድሕሪት (ወገን ኪዳነ ምሕረት) ቆሪጹ ኣብ ከባባ ዘእቱ ሰራዊት ከም ዝኽርደን ብምግባር ንክልተ ጠላይን መዛምትቶም ድማ ቀቲሎምን ብቀዳም ጸላም፡ ፈረሶም ተወጢሖም ናብ ወገን ሰራዊት ሃጸይ ምኒሊክ ተሓወሱ።
ሽዑ ነበረ ካኣ “ኣውዓሎም ዘውዓለና ጸላኢኻ’ውን ኣይውዓሎ” እተባህለሎም።
በዚ መስተንክራዊ ኣሃዱ ስለያ ባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት ተሓጊዙ ካኣ ሰራዊት ሃጸይ ምኒሊክ ነቲ ንማሕረዲ እምበር ንዂናት ተቐሪቡ ክትብሎ ዘይካኣል ሰራዊት ኢጣልያ ንኽሰዓር ዝለዓለ ኣበርክቶ ገበሩ።
ባሻይ ኣውዓሎ ድማ፡ ብድሕሪ ኲናት ዓድዋ። ንብዙሕ ዓመታት ከም ኣመሓዳሪ ኢንቲጮህ ብምዃን ድሕሪ ምግልጋሎም ካኣ ብ1933 ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። 2 ዓመት ድሕሪ ዕረፍቶም ካኣ’ዩ እቲ ብካልኣይ ኲናት ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝፍለጥ ኣብ 1935-36 እተኻየደ ዳሕረዋይ ኲናት እውን ተወለዐ እሞ፡ ጣልያን ካኣ ንባሻይ ኣውዓሎም ብህይወት ንምሓዝን ሕኔኦም ንምፍዳይን ተሃንዲዶም ናብታ ባሻይ ኣውዓሎም ከም ዝነብሩላ ዝፈለጡዋ ኢንቲጮህ ካብ ወገን መረብ ቅድሚ ዓድዋ እትርከብ ዓዲ ኣምርሑ። እንተኾነ ግና ባሻይ ኣውዓሎም 2 ዓመት ናይቲ ጣልያን ናብ ከተማ ኢንቲጮህ ዝኣተዉሉ ዓሪፎም ጸንሑዎም እሞ፡ ደቆም ኣብ ምቕታል ተዋፈሩ። ደቆም’ውን ኣይሓመቑን እቶም ዝበዝሑ ተግባራት ኣቡኦም ተገንዚቦም በረኻ በረኻ ሰፈሩ።
ካብቲ ኲናት ንስክላ ኣምሊጡ መረብ ካብ እተሳገረ መራሒ ሰራዊት ኢጣልያ ኣብ ኲናት ዓድዋ፡ ጠንቂ ስዕረቱ ጥልመት ባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት ምንባሩ’ዩ ኣስሚሩሉ። እዚ ይኹን እምበር እቲ መኽኒት ካብ መንግስቲ ሮማ ተቐባልነት ኣይረኸበን እሞ፡ እቲ ጀነራል ካኣ ብኻልእ ኣዛዚ ኲናት ተቐዪሩ ናብ ሃገሩ ተመልሰ።
ባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት ግና፡ ኣብ ኲናት ዓድዋ ብዝፈጸሙዎ ቅያ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሊፉ ዝንኦም ክሳብ ሮማ በጽሐ እሞ፡ ጠላይን ጀነራላት ኣዘዝቲ ኤርትራ ንስእሎም ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብምጥቃዕ ኩሉ ሰብ ጡፍ እናበለሎም ከም ዝኸይድ ገበሩ። እዚ ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጉምቲ ጠላይን ካኣ ናብቶም ንኤርትራ ኣማዕድዮም ብምርኣይ ስግር መረብ ኣብ ከተማ ኢንቲጮህ ዝቕመጡ ዝነበሩ ባሻይ ኣውዓሎም በጽሐ እሞ፡ እቶም ብዋዝኦም ዝፍለጡ ዝነበሩ ባሻይ ኣውዓሎም ካኣ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዕድመ ደፊኦም ኣብ ዝሸምገሉሉ ጸጋመይቲ ዓይኖም ድማ ብዝግባእ ኣይትሰርሕን እያ ዝነበረት እሞ፡
“……. ለካ እዛ ዓይነይ ምርኣይ እትኣብየኒ ዘላ’ሲ፡ ጠላይን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ንስእለይ ኣብ መንደቕ ብምጥቃዕ እጸፍዑንን ጡፍ እብሉለይን ስለ ዘሎዉ እዮም ብማለት እሕጭጩ ምንባሮም’ዩ ታሪኽ ህይወቶም ዘዘንቱ።”
ባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት ኣብ ኲናት ዓድዋ ብዝፈጸሙዎ ጅግንነት ብደቀንስትዮ ኣዝዮም ሃቢቦምን ተፈትዮምን ነበሩ እሞ፡ ብብዙሓት ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ካኣ እምብዛ ተፈትዉ፡ በዚ ምኽንያት ካኣ ካብ ብዙሓት ካብኣተን 30 ዝኣክሉ ቆልዑ ምውላዶም ኣብ ዘካየድኩዎ መጽናዕቲ ከረጋግጽ ክኢለ ኣሎኹ።
ምንጪ ሓበሬታ - ጋዜጣ ሕብረት ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ወልደገብርኤል ገብረስላሴ (ወዲ ወዶም ንባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት) ኣብ 2014 (ኣብ ኢንቲጮህ) ብመዋእል መዓሾ
Comments