~~~ብቀለም ደም ዛንትኦም ዝጸሓፉ ሰማእታትና
ኣብዚ ቅንያት ብኽብሪ ንዝክሮ ማዓልቲ ሰማእታትና ይቀርብ ኣሎ። ሰማእታት ክባሃል ከሎ ንስለ ሓደ ክቡር ነገር በጃ ዝሓለፈ ንህቦ ናይ ክብሪ መጸውዒ ኢዩ። ኩሎም ምእንቲ እዛ መሬት ዝተዋደቁ ህዝቢ ከይጠፍእ ቋንቋ ከይሕከኽ ባህሎም ከይብለል ሓርነቶም ከይድፈር ባይቶኦም ከይፈርስ ሕጊ እንዳባ ከይበርስ ኮታስ እቲ ከም ደምን ሰራውር ዝተኣሳሰረ ሕላገት መንነቶም ከይጠፍእ ካብ ዓንቶቦ ብሴፍን ዋልታን ዳሓር ብመዳፍዕ ታንኪ ዝተከላኸሉ ጀጋኑ ኣቦታትን ኣዴታት ክዝከሩ ይግባእ።
ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝሰማምዑሉ ድሕሪ ምፍራስ ስልጣነ ኣኽሱም እዚ ህዝቢ ካብ ተደጋጋሚ ዓረባዊ ወራር ኣምሊጡ ኣይፈልጥን ብሓፈሻ መስዋእትን ገድልን መናብርቱ ምዃኑ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ። እዚ ክንብል ከለና ግዜ ዳዓማት ብግዘ መንግስቲ ኣብርሃ ኤዛና ካሌብ ዘመነ ኣዱሊስ ብግዜ ስልጣኔ በለው ከለውን ካልእን መስዋእቲ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን፡ ብግዚኡ ብዙሕ ኲናት ተኻየዱ ኢዩ። ቀንዲ ኣገዳሲ ንቀጻልነት ወሳንነት ዝነበሮ መድረኽ ግን ድሒሩ ዝመጸ ኮይኑ ንረኽቦ። ከም መዘኻኸሪ ወራር ኣሕመድ ግራኝ ትንፋስ ብዙሓት ህዝብና ዝኾለፈ መሪር እዋን ኢዩ ኔሩ። ሂወት ክቡር ኢዩ ኩሎም ክቡር ሂወቶም ወፍዮም ዝወደቁ ጀጋኑና ካብቶም ቀዳሞት ኣብ መርዌ ዝሳዓሩ ተዋጋእቲ ዔዛና ስዕዛና ንህዝብታት ሓራ ከውጹ ክሳብ ዶብ ግብጺ ዝወፈሩ መራሕቲ ድሒሮም ዝመጹ ፍትሓውያን ገዛእቲ ኣብርሃ ወ ኣጽባሃ፡ ካሌብ ኩሎም ኣንጻር ኩሉ ባዕዳዊ ወራር ደው ዝበሉ ቀዳሞት ኣቦታት ኣዴታት ብኽብሪ ክንዝክሮምን ንደሊ።
እዚ ክንብል ከለና ነቶም ብዓባሳውያን ፋጥማውያን ኡማያውያን ካልኦት ካልፌታት ዝተሓርዱ ዝተቀትሉ ካህናት ጽሓፍቲ ሹማምንቲ ረሲዕናዮም ማለት ኣይኮነን ሳላ ደሞም ዝኸስከሱ ፊደላትና ሕግና ጽሑፋትና ብዓቢኡ ቤተክህነትና ህያው ኮይኑ ክዕቀብ ኣብ ጎዳጉዲ ኣብ ኣጻድፍ ገዳማት ናግራን ፡ እምኩሉ ደብረዳሞን ካልኦትን እናተሓብኡ ስለዘጽንሕዎ ክሳብ ሎሚ ተዓቅቢ ንዘመናት ይነብር ኣሎ፡ እዚ ኹሉ ክቡር ዋጋ ከምዝተኸፍሎ ክርሳዕ ኣይግባእን።
ኣንጻር መስፍናውያን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝመከቱ ኣቦታትና ኣንጻር ዉቤ ብራእሲ ሃይሉ ተመሪሖም ዝመከቱ ንወራር ግብጽን ማህዳውያን ዘምከኑ መራሕትና ኣሉላ ሃጸይ ዮውሓንስ ራብዓይ ከምኡ ውን ራእስታት ምድረባሕሪ ብላታ ገብሩን ዝዋዓልዎ ሂወት ዝተኸፍሎ ወራራት ዝነጠበት ደም ዋጋ ከምዘለዋ ምዝካር ግቡእዩ። ኲናት ዓድዋ ብኽልተ ወገን ዝዋዓሉ ደቂ ምድረባሕሪ ኣበራ ሃይሉ መሪሕዎም ዝወፈረ ጥልያን ሽፍታ ኢሉ ዝሃደኖም ምዑታት፡ ከም ስጋ ዝራኣየ ኣሞራ ንጸላኢ ዝመከቱ፡ ክርስዑ ዘይግብኦም 800 ምሩኻት ኢዶምን እግሮምን ዝተቆርጹ ቃንዝኦም ዋጋ ኣለዎ። ጥልያን ተቃዊሞም ኣብ ናኹራ ዝሓቐቑ ንኣዋልደይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ኢሎም ኣብ ሓላይ ምስ ባህታ ሓጎስ ዝዋዓሉ ጀጋኑና እዚኦም ውን ሰማእታትና ኢዮም። ኣብ ልዕሊ ጀነራላት ፋሽሽቲ ጥልያን ቦምባዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተሰውኡ ኣብርሃ ደቦጭ ሞጎስ ኣስጎዶም ካልኦት ፋሺሽቲ ጥልያን ዘሕቀቖም ጀጋኑ መን ጠቒስና መን ከም ንገድፍ ድንግርግር ኢልና። እቶም ምስ እንግሊዝ ተሻሪኾም ፋሺሽታዊ መግዛእቲ ከምዘብቅዕ ዝገበሩ ኣቦታት ኣዴታት መጻኢ ወለዶ ክዝክሮም ክነብርዩ። ንስርዓት ሃይለስላሴ ተቃዊሞም ደም ዝኸፈሉ ኣቦታት፡ ኣዴታት ኣውራ ክዝከሩ ዘለዎም ዓለም ጣዕማ ከይፈለጡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኮይኖም ንድሩዕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስርዓት ደርግ ዝገጠሙ መርዛም ጋዝ ጸላኢ ክምህ ከየበሎም መኪቶም በጃ ዝሓለፉ ሰማእታትና ኢዮም። ኣብ ሰለስተ ወራር ምእንቲ ለኣላውነት ዝመከቱ ዋርሳይ ኣብ ወራር ኣብ ህንጸት ሃገር ደሞም ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስውኣትና ኢዮም። ኩሎም ኣብዚ ሓዲድ መንነትና ኣሚኖም ንሪምን ህዝብን ሓርነትን ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሰማእታትና ኢልና ብርክኽ ኢልና ንዝክሮም ስውኣትና ኢዮም። ሳላ እዞም ኩሎም ስውኣትና ቀጻልነት መንነትና ፡ ታሪኽና ፡ ህላዌና ተዋሒሱ ክሳብ ሎሚ ንነብር ኣለና። ክቱር ፍቕሪ ሃገር ደሪኽዎም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣቦታት ኣዴታት ብልሳን ማህደር ታሪኽ ወትሩ ክንዝክሮምን ዛንትኦም ክንጸዊ መብጸዓ ንኣቱ።
WE SALUTE OUR MARTYRS
Source ማሕደር ታሪኽ History Archives
Comments