ዋሕሎ ሰብአቡር (ጆባእ ሓወኒ)
ብዛዕባ ዘበነ ውቤ ዘይሰምዐ ዘሎ ኣይመስለንን። ግዳ እቲ ስማዕ፣ ሒደት ካብቲ ብዙሕ ብሙዃኑ፣ ሓድሕድ ክንመላላእ መታን፣ ሒደት ዘበነ ውቤ መጠን ክንደይ ሕሱም ከም ዝነበረ ዝገልጽ’ ዝተባህለ ክጸዊ።
ደግያት ውቤ ጨካን፣ ጎራሕ፣ ተንኮለይና ስለ ዝነበረ ዓቀይቱ
ንሰብኣይ ሞቕሎ ኣርሲኖም ብመቐመጫኡ ኣቐሚጦም
ቅርሺ ኣበይ ኣሎ፣
መዓር ኣበይ ኣሎ
እናበሉ የሳቕይዎ።
ንደቀንስትዮ ከኣ መታን ከይስምዓ ቆሎ ዓተር ኣብ ኣእዛነን ኣእትዮም
ለይትን መዓልትን ከም ዝጥሕናን
ረጉድ ጥይት ዝውሕጥ ሃንዛ ወይ ጎጎ የሰንክትወን
ነበሩ።
መርኣያ ጭካኔኡ ክሳብ ሎሚ ድማ “ብዘበነ ውቤ ዝጸመመ ዝባን ውቤ እናበለ ሞተ” ይብሃል ኣሎ።
እቲ ጨካን ገባር ክፉእ ውቤ ከኣ ኢዱ ረኺባቶ ነቲ ኩሉ ኣብ ካብ ሃገሩ ዘሚቱ ኣኪብዎ ዝነበረ ቅርሽን ወርቕን ካልእ ጠቓሚ ንብረትን ብሃጸይ ቴድሮስ ተማረኸ።
በሉ ንሕጂ . ካብቲ ንጭካነኡ ዝገልጽ ዝተባህለ ግጥሚ ከብለኩም፣
እዚ ጀዊ ተባሂሉ ዝግለጽ (ስም ፈረስ’ ውቤ’ዩ)
ጃዊ ሃማማይ ጃዊ ሃማማይ
ይሃምም ኣሎ ይሃምም ኣሎ ብሰማይ
ይነጉድ ኣሎ ይነጉድ ከም ማይ
ጃዊ ሃማማይ ብሽቶል ዓማማይ
ጃዊ ሃማማይ ብፈናንጂ ገሳማይ
ጃዊ መጸኒ ገረብ ከውልኒ
ጃዊ መጸኒ እኖይ ከውልኒ
ጃዊ መጸኒ መሬት ውሓጥኒ
ጃዊ መጸን ይዋኣኒ።
ብዘበን ውቤ እንታይ ምዃን
ብዘበን ውቤ ብዕራይ ምዃን
እሞ ዘይ ክሓርዱኻን ክሸጡኻን።
ብዘበን ውቤ እንታይ ምዃን
ብዘበን ውቤ ኣጋስስ ምዃን
እሞ ዘይ ክጽዕኑኻን ከገጽቡኻን።
ብዘበን ውቤ እንታይ ምዃን
ብዘበን ውቤ ሰበይቲ ምዃን
እሞ ዘይ ከስርሑኻን ከዋርዱኻን።
ብዘበን ውቤ እሞ ኣንታ እንታይ ምዃን
ኣዴኻ እንተትከውን መኻን
ከተርፈካ ምፍጣር ወዲ ኣዳም ምዃን።
ኣቦይ ዝጊ ጓል እንተዝወልዱ
እሞ ንወዲ ውቤ ክትሕጸ እንተዝፈቕዱ
ግን ሰይጣን ኣስሒትዋም ገዝሚ እንተዘውሕዱ
ተኣሲሮም ንሰሜን ምኸዱ።
ሓማሴናይ ተታሒዙ ብመዋጥር
ኣቦይዝጊ እወን ንርእስኻ ጠርጥር
ቁሊሕእንተበልካ ዓይንኻ ትነጥር
ኣነስ መዓር ሂበ ኣቀባጥር።
“ክቡራት ኣንበብቲ፣ ከምቲ ቅድም ኢለ ዘልክዎ ‘ እዚ ካብቲ ብዙሕ ሒደት’ዩ። ክንዲ ዝኾነ በብወገና’ ነዚ ተጨሊፉ ዘሎ ታሪኽ ካብ ምህብታሙ ኣይንብኮር።
コメント