ታሪኽ ኣባ ወልደ ሳሙኤል
ወተሃደራዊ ግዝእት ኢጣልያ 1891ዓ.ም. ኤርትራ ብምሓዙ ኣይዓገበን ስለ`ዚ ብ1896 ዓ.ም. ብዙሕ ሰራዊት ኣኽቲቱ ንኢትዮጵያ ወረራ እሞ ኣብ ዓድዋ ከቢድ ውግእ ገሩ ከብቅዕ ተሳዒሩ መረብ ተሳጊሩ ኣብ ግዛአቱ ኤርትራ ተዓጊቱ ተረፈ። ወተሃደራዊ ግዛአት ኢጣልያ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ኣብ እታ ንጉስ መነሊክ ዝመረቅሉ ግዛኣአቱ እተፈልየ ጨካንን ፈላላይን ጠባያት ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ንዕቀት ከርኢ ውን ጀመረ።
ስለ`ዚ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ሰራዊት ውግእ ኢጣልያን ግዛአቱ ንምስፋሕ ተዋፈረ ነታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ በቲ እዋን በናዲር ተባሂላ እትፍለት ዝነበረት ሃገር ሶማልያ ንምውራር ብዙሕ ሰራዊት ውግእ ኣድለዮ`ሞ ብኢጣልያ ዝእዘዝ ኣፍሪቃዊ ሰራዊት ኪሰርዕ መደበ። ስለ`ዚ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ምድሪ ባሕሪ ምሩጻት ኣባጽሕ ተመሪጾም ብግድን ብውድን ከምዝስለፍ ተነግረ። ቅጺሎም እቶም ካብ ኢጣልያ ዝመጹኡ ወታሃደራት ኣንስቲ ስኢኖም ይሳቐዩ ስለ ዘለዉ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤትሓንቲ ጓል ኣዘዙ።
ነዚ ወረ`ዚ ዝሰምዑ ኣባ ወልደ ሳሙኤል ብሓሳብን ጓህን ተሓዋዊሱ ብርቱዕ ጸቕጢ ፈጢሩሎም፡ ምብላዕ ምስታይ ስኢኖም ብወጥሪ ተሳቀዩ። ከም`ዚ ከኣ በሉ እቲ ኣውራ ዘሕዝን ከኣ ናይ ወዲ ተባዕታይሲ ከም-ሻሙ ከም እዋናዊ ጸገም ተራእዩ ሸለል ኪብሃል ምተኻእለ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘይክኣልንሲ ናይ`ተን ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ`` በሉ።
እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰባብ ሕቶ ምስ ተላዕለ ኣባ ወልደ ሳሙኤል መራሕቲ ሃይማኖትን መኳንንትን ዓበይትን እናኣከቡ ዘትዮሙሉ፤ ብስምምዕ ኸኣ ተቓውሞ ክብሪ ድንግልና ኣዋልድና ብቕድስና ንሰብአየን ዝዕቀብ ስለ ዝኾነ ከም ጠለ በጊዕ ንወታሃደራትኢጣልያ ኪዕደላ ፍቓድና ኣይኮነን`ዝብል ነበረ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድንግላንኣ ንሰብኣይ እተሓዝኤ ኢዩ። እቲ ሰብኣያ ድንግልንኡ ከም ዝህባ ንሳ`ውን ድንግልንአ ኢያ እተበርክተሉ፡ ዝኾነት ጓል ድንግልንአ ብዘይ መርዓ እንተ ደፈረት ከም ሰብ ምቕታል ኢዩ ዝግመት እቲ ከምዚ ዝበለ ገበን ዚፋጽም ሰብ ከአ በዚ ኣገባብ`ዚ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ኢዩ ዚፍረድ ብማለት ተቓወሙ።
ብፍላይ ከአ እባ ወልደ ሳሙኤል ብከቢድ ሓዘን ዝዓብለሎ ኣዘራርባ`ሓንቲ ኣጋአዚት ጓል ኣንስተይቲ፤ ብክብሪ ስድራ ቤታ ተሓቲቶም ምስ ኣፍቀዱ ኢያ ብቃል ኪዳን ተቖሪና እትምርዖ እምምበር ብከም`ዚ ዝድለ ዘሎ ኣጋባብ ካብ ቤታ እይትወጽእን ኢያ። ሊዕሊ ኵሉ ከአ ኣባና ዝሙት ፍንፋን ኢዩ` ብማለት ደጋጊሞም ንህዝቢ ኣረድኡ። እዚ ከም`ዚ ዝበለ ሓሳባት ተጋጻጕጹ ምስ ተዘርገሔ ኵሎም መራሕቲ ሃይማኖትን ሹማምንተን ዓበይቲ ዓድን ተአኪቦም ዘተይሉ። እቶም ኣብ`ቲ ባይቶ እተረክቡ ካብ ኵሉ ኵርናዓት ምድሪ ባሕሪ እተዋጽኡ ብምንባሮም ከአ ንአማሓደርቲ ወታሃደራዊ ግዝኣት ኢጣልያ ከም ሕማም መንድዓት ከቢደ ጾር ኮይኑ ኣቐንዘዎም።
እሞ ኣብ ልዕሊ ኣባ ወልደ ሳሙኤል ኸኣ ወረ ጉልባብ ጌሮም ኣባ ወልደ ሳሙኤል ምስ`ቶም ስግር መረብ ትግራይ ኣትዮም ጸረ - ባንዴራ እጣልያ ሸፊቶም ዝነበሩ ብዙሓት ደቂ ምድሪ ባሕሪ እናተጸሓሐፈ መልእኽቲ እናሰደደ ውዲት ይፍሕስ ኣሎ ኢሎም ብምጉልባብ ስጊምቲ ኪወስዱ ወሰኑ። ብ 1901.04.08 ዓ.ም. ድማ ከም`ዚ ኢሎም ንእንዳ ማርያም ኣስመራ ወታሃደራት ኢጣልያ ከራቢኔሪ ሰዲዶም ካብ ቤት ክርስቲያን ብሓይሊ ኣውጺእም ብግፋዕ ኣሲሮም ንዓሰብ ወሲዶም ከኣ ረሸኖም።
ነዚ ወቐሳ`ዚ ወይ ክሲ`ዚ ማጆር ሩፈሎ ፐሪኒ ኣብ መዘክራቱ ብጽሑፍ መስከሩዎ ኣሎ። ኣዘንተውቲ ኣፈ/ታሪኽ ኣባ ወልደ ሳሙኤል ትውልዶም ካብ ማይ ቤት ዓደሞ ኣስመራ ጎዳይፍ ካብ ደቂ ኣቤቶ ሓርቦይ ኢዮም ይብሉ።
source መምህር ፈደል መኮነን ከተማhttps://www.facebook.com/1465098463718083/photos/pb.1465098463718083.-2207520000.1485048297./1904312743129984/?type=3&theater
Comments