top of page

ኀበሻያን፣ ሰበኣያን፣ ግእዝያን፣ ገዓዝያን፣ ታሀጋርያን

Writer's picture: The Gee'z TimesThe Gee'z Times


ካብ ቅድሚ 6000-7000 ኣትሕዞም ካብ ሞሮው ኣብ ሓባብ ዴሴታት ዳህላክ ቀስ ብቀስ ገማግም ባሕሪን ከበሳታት ምድሪ ባሕሪንኣድሉስቆሓይቶተኾንዳዕ ከስከስመጠራላስታዱባሩባ መንግሥታቶም እንዳስፋሕፍሑ፡ ካብ ናይ ሎሙ ኣከለጉዛይ፡ ሰራየ ሓልፎም'ውን ሓማሴን፡ ደቀምሓረ ደንበዛን፡ ትግራይ ዝዓበየ መንግሥታቶም፡ ብ980 ኣብ የሓን ንግስነት ደዓመተ ሠረቱ።



ብድሕሪ'ዚ ቀንዲ ቀዋሚ ንግሥነቶም ኣክሱም፡ ኣድሉስ ኮይኑ፡ ካብ'ዚ እንዳስፍሑ ድማ ንግዝኣቶም ክሳብ ግብጺ፡ ሱዳን፡ የመን መላእ ምድሪ ኀበሳ (ሓበሻ) ከምዝነበሩ ከም ወርቂ ዝደምቅ ሓቅነት ዘለወ ምስ ምሉእ ምስክሪነቱ ታሪኾም ዓለም ከይተረፈት ትምስክሮ ሓቂ ኮይኑ ትረኽቦ።


ካብቶም ኣርባዕተ ንግሥነት ናይ ዛዓለም ዝነበሩ ቀዳሞት ሥልጣኔ ኣፍሪቃ ከመት (ደቒ ጸላም መሬት) ኢዮም።

እቶም ሰረት ታሀጋርያን/ተጋሩን፡ ኣግኣዝያን/ኣግዓዝያን ኮይኖም ሓደ ዝመንነቶም ዝተፋላለዩ ቛንቛታት ዝዛረቡ ኣካሎም ድማ ኣለውዎም።


ናቶም ገንዘብ (ባጤራ) ናይቶም ፊደላትዓወደ ኣዋርሕ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝኮነ ሕብረተሰብ ዘይበጽሖ ዝተፋላለዩ ማሕበራውን፡ ፍልስፍና ዝገደፉ ናይዛ ዓለምና ሃብትን ስልጣኔን፡ ስልጡናት ሰበኣውያን ሓቆፍቲ ስደተይናታት ሕብረተሰብ ጥንታውት ኣፍሪቃ ኢዮም።



ነዞም ሕብረተሰብ እዝኦም ካብ ማእከላይ ምሥራቕን ኤስያን ብፍላይ ምስ ዓረባውነት ከምዝኮኑ ጌርካ ዝተሃንደሰ ድማ፡ ስልጡናትን ኣደናቒ ስልጣኔ ዝነበሮም ስለዝኮኑ፡ ብታሪኾም ንከይሕበኑን፡ ታሪኾም ንኸይ አእምሩን፡ ደንኖም ብርእሰ ምትሓት ንክነብሩን፡ ንኽግዝኡ ስለዝተደለየ ብዕላማ ዝተገብረ ኢዩ።


ታሪኽ ንሕብረተሰብ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ከምዝኮነ ድማ ካብቶም ታሪኽ ዝሰርቁ ታሪኽ ክድምሰስ ዝገበሩ ገዛእቲ ናይዞም ሕብረተሰብ እዝኦምን ንክትፈልጥ እኹል ኣብነት ይኾነካ።


እዞም ህዝቢ እዝኦም ድሕሪ እቲ ደርማስ ስልጣኔኦምን ንግስነቶምን ብስተፋላለዩ ገዛእቲ ምፍራሱ፡

ከም ውጽእቱ ድማ ማሕበራው ምትእምማኖም ፈሪሱ ከም ጓኖት ኢንዳተራኣኣዩ ሓድሕዶም እንዳተናቆቱ ክነብሩ ጌሪወም ይነብር ኣሎ ።


እቲ ዘሕዝነካ ድማ ደቂ እዛ መርየት እዚኣን ደቂ እዚ ሕብረተሰብ እዝን ብፍላይ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኣብ ክንዲ ነቲ እታ መርየት ዓቁራቶ ዘላ ታሪኾም ዝስምዕወን ዝፍትሽወን ነቶም ነቲ ታሪኽ ክስርቁን ንከይፍለጥ ዝተፋላለየ ሽርሕታት ኢንዳማሃዙ ክድብድብወ መዋእል ዝወሰድሎም ተንኮለኛታት ገዛእቶም ዝብልወምን ዝጻሓፍሎምን ኢንዳሰምዑ ይኸዱ ምህላወም ኢዩ ዘሕፍር ኮይኑ ትረክቦ።



ንኣብነት ኩለን እተን ብቁጦባ ዝበልጸጋ ሃገራት ዓለም ካብ መንነተን ተበግስን ኢየን ድሞክራሲኤን ይኹን ቁጠብኤን ዝሃንጻ ።

ካናዳን ኣምሪካን ኣውስትራልያን ዓዲንግልዝን ሓደ መንነት ዘለወን ሃገራት ኢየን። ነናተን ግዝኣት ስለዘለወን ሓደ ሃገር ሓደ ማሕበራው ክብሪታትን መንነትን ኣይኮናን ዘለወን ዝብል፡ ድማ መንነት ማለት እንታይ ማለት ከምዝኮነ ዘይፈልጥ ዓሻ ጥራሕ ኢዩ።


ንሕና ድማ ዋላ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ተመቓቒልና ንሃሉ በቲ ሓደ ዝገብረና መንነት እንተንሓስብ ቅድሚ እዘን ሃገራት እዝኤን ስልጡናት ሕብረተሰብ ስለዝነበርና ቅድሚ እዘን ሃገራት እዝኤን ድማ ሓያላት ኮይና ምሃለና ኔርና ።


ኣብዛ ዓለም ብዘይመንነት ዝህነጽ ቁጦባ ይኹን ዲሞክራስ ድማ ፍጹም የለን።

12 views0 comments

Recent Posts

See All

ፍልስፍናን ንሕናን😇

#ፍልስፍናን #ንሕናን😇 (ክፋል 1) ኣክሱም ንሃገር ኮነ ንዓለም ዝበርከተቶም ውህብቶታት ቆፂርካ ዝዉድኡ ኣይኮኑን። ብፍሉይ ክዓ ሃገረ #ኢትዮጰያ ኣለውኒ ትብሎም ትውፊታት መብዛሕቲኦም ካብ #ባህሊ ክሳብ #ሃይማኖት ፤...

ዘርዓያቆብ (ዘርአ ያቆብ)መን እዩ❓

#ፍልስፍናን #ንሕናን (ክፍሊ 2)😇 ...........ዝቀፀለ. #ዘርዓያቆብ መን እዩ❓ ብዙሓት ሰባት #ኣፄ ዘርዓያቆብን #ፈላስፋ ዝርዓያቆብን ሓደ ገይሮም እዮም ዝወስድዎ።🙌😂 #ኣፄ ዘርዓያቆብ ኣፄ ዘርዓያቆብ ብ...

Comments


Post: Blog2 Post

THE GE'EZ TIMES

Subscribe Form

Thanks for submitting!

  • Facebook
  • Twitter
  • Instagram

©2018 by The Ge'ez Times. Proudly created with Wix.com

bottom of page