ንጉስ ምድረ ባሕሪ ደግያት ተስፋጽዮን 1706 -1713 « ደግያት ተስፋጽዮን እቲ ዝተረግመ » « Degiat Tesfatsion The Cursed One »
ብ1706 ዓ.ም.ፈ ኣቢሉ ደግያት ገረ-ኽስቶስ ኣብ ጸዓዘጋ ኮይኖም ምድረ ባሕሪ ባምቦ ምላሽ ክገዝኡ ከለዉ ከም ልሙድ ንቦክሪ ወዶም ተስፋጽዮን “መልእክቲ ሕጂካ ከተብጽሕ ኢኪ” ኢሎም ናብ ንጉስ ለኣክዎ። ክምቲ ቀደም ደግያት ገረ-ኽስቶስ ዝገብርዎ ኣብኦም ደግያት ሀብ-ስሉስ ከለዉ ዝተሽሙ ግናኸ ብትሕቲ ኣብኦም ኮይኖም ዝጸንዑ ኣይኮነሎምን።
====================================
ተስፋጽየን መልእክቶም ምስ ኣብጺሑ ኣብ ቤት-ንጉስ ተቀመጡ እሞ ኣብኡ እንከለዉ ምስ ልኡል ተክለ-ሃይማኖት ርጉም ኪዳን ተኣታተዉ።
ልኡል ተክለ- ሃይማኖት ብኣዲኦም ንግስቲ መሎኮታዉትን ገለ ሒደት ሰዓብቶም ተደጊፎም ንኣቡኦም ሐጸይ ኢዮስ መንበር ኣሕደግዎም። ሐጸይ ኢያሱ ኣብ ሩባ ጣና ወፊሮን እንከለዉ ድማ ብኡሙናት ዓሻክሮም ሊኢኮም ኣቅተሎም። በዚ ድማ ልኡል ተክለ-ሃይማኖት “ንጉስ ለኣለ-ሰገድ” ተባሂሎም ስልጣን ሓዙ። ጸሓፊ ታሪኽ ሃንቲን-ፎርድ ከምዝገልጹ ሰሪ እዚ ድማ “ሐጸይ ተክለ-ሃይምኖት ርጉም” እናተበህሉ ይጽዉዑ ነይሮም። ደግያት ተስፋጽዮን ድማ ኣብ ምኽሮም ዉዒሎም ነብሩ እሞ ምስ ሐጸይ ተክለ-ሃይማኖት ርጉም ኪዳን ተኣታተዉ።
« ጥቢ ሐጸይ ተክለ-ሃይማኖት ርጉም »
ኣብኡ ሐጸይ እያሱ ቀቲሉ ዝነገሠ ሐጸይ ተኽለ-ሃይማኖት ርጉም፣ ብጣዕምን ሽሻይን ምድረ ባሕሪ ኣዝዩ ቀንአ። ጠቅሊሉ ምድረ ባሕሪ ንምግዛእ ድልየት ኣሕደረ። ደግያት ገረ-ኽርስቶስ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ድማ ሐጸይ ተኽለ ሃይማኖት ርጉም ድማ ሽሕ እኮ ደግያት ተስፋጽዮን በዓል ሒደት ተመክሮን እንተነብሩ ከምታ ኪዳኖም “ወዲ ሓብተ'ዩ ” ኢሎም ደግዝምትነት ሸይሞም ግዝኣት ኣብኦም ሃብዎም። መንበር ኣብኦም ክምንጥሉ ድማ ዓሻክር ኣሰንዮም ንዓዱ ኣፋነዉዎ። “ሐጸይ ተክለሃይማኖት ርጉም ” በዛ ጥቢ ድማ ግዝኣት ምድረ ባሕሪ ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ኣቦን ወድን ወድቀት።
« ከብድን ሕቆን ኣቦን ወድን »
ደግያት ተስፋጽዮን ሸመትን ግዝኣትን ተቀቢሎም “ቀምሽ ለብሸ እመጽእ ኣለኩ እም ደጊም ኣብ ልዕለይ ኣቦይ እዝጊ ኢዮም ዘለዉ፣ ሃየ ድባርዋ ተቀበሉኒ ጋማ ክኣስር” ኢሎም መልእክቲ ሰደዱ።
በዚ ምክኒያት እዚ ኣብኦም ደግያት ገረ-ኽርስቶስ ኮሪዮም ብልቦም ጉህዮም ካብ ብሽዑ ከም ወዶም ኣይረኣይዎምን። ግና'ኸ ሽዓ ኢሎም ተንኮል ሐጸይ ተክለ-ሃይማኖት ርጉም ፈሊጦም “ግዝኣተይ ዕግርግር ከይኣትዎ ቤተይ ከይፈርስ፣ ወደይ ከይቀትል ወይ ብኢድ ወደይ ከይቅተል ” ኢሎም ንወዶም “ሞባእ ኣዉድቶም ብታቦት ገርጊስ ጠቂዖም” ረጊሞም ስልጣን ሓደግሉ። ንማለቱ ንቡር ከይተርፍ ኣብ ዱባርዋ ጋማ ክኣስር ነጋሪት ኣዉጽኦም ህዝቢ ኣኪቦም ኣእሰርዎም።
ደግያት ተስፋጽዮን ድማ ሽመት ምስ ተቀበሉ ኣብ ክንዲ ዉልዱን ወላድን ኮይኖም ክገዝኡ ከም ፣ ንኣብኦም ብትሕቲኦም ጌሮም ስልጣን ብሒቶም ሒደት እዋን ኣብ ጸዓዘጋ ኮይኖም ንግዝኣት ምድረ ባሕሪ ባምቦ ምላሽ ገዝኡ። በዚ ድማ ኣቦን ወድን ከም ከብድን ሕቆን ተረሓሓቁ። ቁሩብ እዋን ምስ ገዝኡ ድም ዓራት ሒዞም ሓመሙ'ሞ “ኣቦይ ይቅረ እንተለለይ ክሓዉየ ፣ ነቦይ ለምኑለይ” በሉ።
ደግያት ገብ-ኽርስቶስ “ብስረይ ዘምጽዎ ሽመት ብደም ምስ ወደይ ወይ ብልማኖ ኣየምጽኦን ኢየ” ኢሎም ዕለት ዕለት እንተተለመኑ ኣቅበጹ። እምበይተይ ሰበነ-ገርግሽ እንተለመንኦም ድማ “ወደይ ገዛኢ ኣነም ዓዃይ” ኢሎም ዕጭ ሓንፈፉ። ብተግባራት ወዶም ጉህሎም ድማ ኣብ ጉልትም ከይዶም ይሰፍሩ ነበሩ።
« ደባስ »
እምበይተይ ሰበነ-ገርግሽ ድማ ዝከኣለን ጺዒረም ሙኻን ኣበየን። ወደን ከይሞተን ፈሪሀን ድማ እንተ ተመሰለሉ ኢለን ካብ ጎዶቦ ዓዲ ሓንቲ ፈለጢት ኣጸዉዐን ሓተትኣ። ንሳ ኸኣ ሓደ ከም ወደን ጌረን ዘዕበይኦ እሙን ዓሽከር “ደባስ” እተባህለ ነበረ እሞ “በጃ ደገዝማቲ ኢልኩም ሰይፍዎ” ኢለን ኣዘዛ። ሽዑ እቶም ጊላታተን ድማ ንደባስ ሒዞም ኣዚሮም በጃ ንጉስ ትስየፍ ዶ ኢሎም ሓትትዎ። ደባስ ድማ እሙን ዓሽረር ነበረ እሞ ክሳዶ ሃበ።
ብድሕርዚ ደግያት ተስፋጽዮን ንሽዑ ሓወዩ። በሊ ሎሚ ድማ ደባስ ክሰምዑ ከለዉ ቆልዑ ጋኔን መሲልዎም እፈርሁን እርበሸን። ግናኸስ ደባስ እሙን ዓሽከር እምበይተይ ሰበነ-ገርግእ እምበር ጋኔን ኣይኮነን።
በዚ እዋን ኣቢሉ ድማ ዘርኢት እተባህለ ጨወታይ በዓል ክትሞዊሊዕ ንዓዲ ደገዝማቲ ተኸቲሉ ናብ ጸዓዘጋ መጸ። ንዑ ገረድ ሰበነ-ገርግሽ ኣመርዓዉሉ እሞ ካብአን ወዲ ምስ ወለደ። ነቲ ወድ “ክንድ ደባስ” ኢሎም ብሽም እቲ በጃ ንጉስ ዝሓለፈ ጸዉዕዎ። እዚ ክንዲ ደባስ ድማ ንገዛ “ደቂ ደባስ” ዝወለደ ኢዩ። ንሱ ንኣሰላፍ-ወልደኽስቶስን ገብሩን ተክሉን ንሓንቲ ሓብቶም ድማ ምሕሩ እተባህለት ወለዱ። ካብኦም ኣሰላፍ-ወልደኽስቶስ ንዓዲ ኣገልድም ዝፈሪ ኢዩ። እተን ሓፍቶም እምበይተይ ምሕሩ ድማ ናብ ክንፉ ወዲ ማርያም ተኣትወት፣ ንሱ ዝፈራይ “ዓዲ ክንፉ” ኢዩ።
« ማርያም ዓሰልዳይት »
ደግያት ተስፋጽዮን ድማ ንግዚኡ ሓዉዪም ኣብ መንባሮም ተመሊሶም ድማ ግዝኣት ምድረ ባሕሪ ቦምባ ምላሽ ኣመሓደሩ። ክጸንሑ ክጸንሑ ድማ ደግያት ተስፋጽዮን ካልኣይ ሓመሙ፣ ሓማሞም ድማ እንዳ ነዉሐ ከደ። ዋጥኦም ድማ ከምዚ ክብል ደረሰሎም።
ከማ-ዓልካ፡ ከማ-ዓልካ ዛራ ጽላል ንጉስ፡ ወርቂ ዝሰፈራ እንተ ሞትካ፡ ናይ ኣብራሃም ሳራ ሓማም ኢዩ ኽፉእ፡ መከራ
ኣብኦም ደግያት ገረ-ኽርስቶስ ድማ “እንተ ሞተስ ኣነ ኣብ ዝነብረ ሽመተይ ክምለስ” ኢሎም ኣብ “ማርያም ዓሰልዳያት” ከይዶም ጸልዮም ተማባጽዑ። ማርያም ዓሰልዳይት ድማ ከም ልማንኦም ፍቃዶም መልአት። ደግያት ገረ-ኽርስቶስ ከኣ ድሓን ኣለኩ ኢሎም ኣብ ጸዓጸጋ ተመልሱ። ኣብ ጥቃ ዓዲ ምስ በጽሑ ቁዝማ ሰምዑ። ሰብ ኩሉ ድማ ኽመልጡን ኽበኽዩን ጸንሕዎም። ሽዑ ወዶም ደግያት ተስፋጽዮን ከም ዝሞቱ ፈለጡሞ ብጋሂ ተጣዓሱ። ብክብሪ ዓዲ ኣክቲቶም ድማ ቀበርዎም።
« ግዝኣት ደግያት ተስፋጽዮን »
ደግያት ተስፋጽዮን ዝገዝእዎ ዓመት ሸዉዓተ ዓመት ነበረ እሞ ሐደ ሓድጊ ድማ ነበርዎም “ባሕሪ ነጋሲ ሶሎሙን” እተባህሉ። ንሶም ህጻን ስለዝነብሩ ድማ ሽመት ባምቦ ምላሽ ኣብ ደግያት ገረ-ኽርስቶስ ተመልሰ። ደግያት ተስፋጽዮን ዝበዝሐ ግዝኣቶም ዓራት ሒዞም እዃ ተነብሩ፣ ብሽሞም ሓወም ደግያት ርእሰ-ሃይማኖት ምስ ዝመጹ ናይ ፖርቱጋል መልእክተኛታት ይቅበሉን ባጽዕ ወሪዶም ነጋድያን የልእኩን ነበሩ። ሞኳንንቲ ምድረ ባሕሪ ንደግያት ተስፋጽየን በቲ ኣብ ልዕሊ ኣብኦም ምሻሞም በቲ ድማ ዓራይ ምሓዞም ቡዙሕ ኣይምለኩሎምን ነበሩ እሞ ሓዎም ደግያት ርእሰ-ሃይማኖት ኣክንድኦም ተዋጊኦም ይጽብኡሎን ነብሩ። ደግያት ገረ-ኽርስቶስ ዋላ ሽመቶም ይመለሰሎም ብጓህን ምጥዓስን ቶሎ እሎም ምስ ሞቱ ስልጣን ኣብ ምድረ ባሕሪ ኣብ ወዶም ጃን ደግያት ማሞ ሓለፈ። ጀን ደግያት ማሞ ጋላ ቤት ከይዶም ይገዝኡ ብምንባሮም ድማ ሳልሳይ ወዶም ደግያት ርእሰ-ሃይማኖት ሓለፈ።
ምስጋና ንመኮነን ወልደኣብ ብምሃብ ነዛ እትስዕብ ሓጻር ታሪኻዉት ቪድዮ ዛንታ ገረ-ኽርስቶስን - ተስፋጽዮንን ድማ ብጽሞና ክትኸታተልዋ ንዕድም። ካልኦት ክመሃሩሉ ድማ ሼር ንግበሮ ላይክ ድማ ናብ ማህደር ታሪኽ ብምጽቃጥ ተኻፈልቲ ታሪኽና ክትኾኑ ንዕድም።
ከብሒ ምንጭ/ Source The Historical Geography of Ethiopia From the First Century AD to 1704 - George Wynn Brereton Hunting Ford A Voyage to Abyssinia: Henry Salt Tradition De Tsazzsga ET Hazzega - Johansen kolmodine Tractatus Tres Historico-geographiciy account Tigray Ethiopia- Manoel Brrada The Ethiopian Royal Chronicles Richard K. P. Pankhurst Debas the Ghost: Historical documentary Narrated by Mekonen Weld
Comments