መዋቕር, ትካል, ኣደናቒ, ኣገራሚ, ዓለም, ጥንታዊ
7 ኣገረምቲ ናይ ጥንታዊ ዓለምና ክንብል እንኮለና እንታይ ማለትና ኢዩ? ንምንታይ ‘ከኒ 7?
7 ናይ ዓለምና ኣገረምቲ ነገራት ክንብል እንኮለና 7 ብወዲ ሰብን ተፈጥሮን ዝተፈጥሩ ኣዝዮም ዝምስጡ ስራሓት ወይ መዋቕራት ናይ ዓለምና ማለትና ኢዩ። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ወዲ ሰብ እተፋላለየ ናይ ዝድነቚ ነገራት በብጊዚኡ ዝርዝር ብምድላው እተፋላለዩ ጥምራታት 7 ከቕርብ ጸኒሑ ኢዩ። ይኹን እምበር 7 ኣደነቕቲ ነገራት እቲ መሰረታዊን ቀንድን ኣብ ዓለምና ዝፍለጥ እቲ ብጥንታውያን ግሪኻውያን (ኣብ ቀዳምይን ካልኣይን ዘመን ቅድሚ ልምዳዊ ኣቆጻጽራ) ዝተሰናድኤ ዝርዝር 7 መዝገብ ኢዩ። በዚ መሰረት ግሪኻውያን ከዳልውዎ እንከለዎ ነቶም ካብ ሃገር ወጺኦም ንክዛወሩ ዝሓለኑ ደቂ ሃገሮም ከም መምርሒ መጽሓፍ ንክኾኖም ኢሎም ኢዮም ኣዳልዮሞ። ስለዚ በዚ ምኽንያት’ዚ እቲ ዝጥቀስ መሳጢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካላት ኩሉ ኣብቲ ከባቢ ግሪኽ ዘሎ ማለት ኣብ ሜዲተራንያንን ማእከላይ ምብራቕን ከባቢታት ጥራይ ዘሎ ዘጠቓልል ኮይኑ ንረኽቦ ምኽንያቱ እቲ ስጋብ ሽዑ ግዝኣቶም ብምስፍሕፋሕ ዝበጽሕዎን ዝፈልጥዎን ከባቢታት ወይ ክፋላት ዓለም ንሱ ጥራይ ስለነበረ። ግሪኻውያን ቊጽሪ 7 ምምራጾም ምኽንያት ድማ 7 ማለት ርሑስ ቁጽሪ ምልክት ፍጹምነትን ብዙሕነትን (ኣኺሉ ዝተርፍ – ሽሻይ) ማለት ስለዝነበረ በቲ ናይ ሽዑ ባህሎም ኢዩ። ብተወሳኺ በቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ መረዳእታ 7 ድምር 5 ፕላነታትን ጸሓይን ወርሒን ስለዝነበረ ኢዩ።
ኣብዚ ግሪኻውያን ኣብቲ መጀመርያ ክገልጹ እንከለዉ ኣክንዲ 7 ኣገረምቲ ክንዲ ዝብሉ 7 ‘ምርኢታት’ ኢሎም ኢዮም ዝገልጽዎ ኔሮም። መጀመርያ ነዚ (ናይ 7 ኣደነቕቲ ነገራት) ዝነገሩ ጥንታዊ ታሪኸኛ ወይ ጥንታዊ ተማራማሪ ታሪኽ ሄሮደተስን (484 ክሳብ 425 ዓ/ም ቅ.ል.ኣ.) ካሊማከስን (ካብ ሳይሪን) (305 ክሳብ 240 ዓ/ም ቅ.ል.ኣ.) ኮይኖም እቲ ጹሑፋቶም ግን ስለዝጠፍኤ ብተዘዋዋሪ ብኻልኦት ግሪኻውያን ተጠቒሶም ንረኽቦም። ብንጹር ብግጥምን ጽሑፋትን ነዚ ነገር’ዚ ዝገለጹ ግን ኣንቲፓተርን (ካብ ሳይዶን) ፊሎን (ካብ ባይዛንትየም) ኢዮም። ብዝኾነ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ናይ’ዚ ኩሉ እዚ ኾይኑ ናብቶም ኣቐዲምና ዝጠቕስናዮም 7 ኣገረምቲ ነገራት ተባሂሎም ዝጽዉዑ መዋቕራት ንኺድ።
1) ዓቢ ፒራሚድ ናይ ጊዛ (ካልኣይ መጸዊዑዑ ፒራሚድ ወይ ሃረም ናይ ኹፉ – ፈርኦን ኹፉ ንመቕበሪ ከምዝሰርሖ ስለዝእመን) – እዚ እቲ ኣብ ዓለምና ዋላ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዘመናዊ እዋን ኣዝዩ ኣደናቒ መዋቕር ወይ ቅርጺ ትካል ኢዩ። ብዕድመ ካብቶም 7 እቲ ዝነውሐ ዕድመ (ከባቢ 5000 ዓመታት) ዘለዎ ኮይኑ ኩሎም ካልኦት 6 እንክፈርሱ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘይፈረሰ (- ዘይፈረሰ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ኩሉ ምንቅጥቃጣት መሬት ዝሓለፎ ብዙሕ ከይተባላሸወ) ዘሎ ትካል ኢዩ። እዚ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ምስኡ ሓዊስካ 3 ፒራሚዳት (ሃረማት) እቲ ዝዓበየ ኢዩ። ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ኣልጊዛ ጥቓ ካይሮ፡ ግብጺ።
ፒራሚዳት ግብጺ
2) ዘንጠልጥሉ ጀራዲን ናይ ባቢሎን – እዚ ብንጉስ ነቡካድነጻር ካልኣይ ኣብ ከባቢ 600 ዓ/ም ቅ.ል.ኣ. ከም እተሃንጸ ዝንገረሉ ብህንደሳዊ ውሕልነት ንመናድቕ ህንጻ ብጀራዲናት ኣልቢሱ ብዘደንቕ ዝርጋሔ ኣብቲ ኩሉ ግዳማዊ ክፍልታት እቲ ህንጻ ደረጃ ብደርጃ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እንዳተንጠልጠለ ዝወርድ ተፈላላዪ ንዓይኑ ዘደስቱ ሓምላያት ከም ኣትክልቲ ወይኒ፡ ኣግራብ፡ ሓረግ፡ ቆጥቋጥ፡ ፊዮሪ ወዘተ ተወቂቡ ዝተሸፈነ ቦታ ኢዩ። ኣፈ-ታሪኽ ከምዝብሎ ንጉስ ነቡካድነጻር ካልኣይ ንሰበይቱ ንግስቲ ኣማየትስ ጓል ሃገር ሚድያ (ኢራን) ነቲ ናይ ዓዳ ቀጠልያ ኣግራብ እተሸፈነ ኣኽራናትን ስንጭሮን ስለዝናፈቐት ንዓዓ ከደስት ኢሉ’ዩ ሰሪሑዎ ይበሃል። እንተኾነ ናይ በሓቂ ኣብ ታሪኽ ዋላ እቲ ቦታ (ኣብ ባቢሎን – ማእከል ዒራቕ) ምንባሩን ዘይምንባሩን ጭቡጥ መርትዖን ኣርኪኦሎጂካዊ ሓበሬታን የለን። ገሊኦም እውን እቲ ቦታ ኣብ ባቢሎን ዘይኮነ ኣብ ጥቓ ነነዌ (ከባቢ ናይ ሕጂ ሞሱል – ዒራቕ) ብንጉስ ናይ ኣሶራውያን (ንጉስ ሰናክሬብ – ቅድሚ 2,700 ዓመታት) ኢዩ ተሰሪሑ ዝብሉ ኣለዉ። ዘንጠልጥሉ ጀራዲን ናይ ባቢሎን
3) ሓወልቲ ናይ ‘ዝዩስ’ ኣብ ኦሊምፕያ – እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ-መቕደስ ንኽብሪን ምስሊን ናይ ግሪኽ ኣምላኽ ንኸንጸባርቕ ተባሂሉ ብፊዲያስ ዝተባህለ ግሪኻዊ ወቓሪ ዝተወቕረ ምስሊ ሓወልቲ ዝዩስ ቁመቱ 13 ሜትሮ ዝኾነ ኣዝዩ ግዙፍ ብወርቅን ስኒ ሓርማዝን ተሰኒዑ ብ 435 ዓ/ም ቅ.ል.ኣ. ኣብ ኦሊምፕያ (ግሪኽ) ዝተሰርሔ ሓወልቲ ኢዩ። (ዝዩስ ናይ ሰማያትን ናይ ነጎዳን ኣምላኽ ኮይኑ ንጉስ ናይ ኩሎም’ቶም ንኡሳን ኣምላኻት’ውን ኢዩ) ሓወልቲ ዝዩስ ኣብቲ ውሽጢ ቤተ-መቕደስ ኣብ ብተሪር ካብ ‘ቄድሮስ’ ዕንጨይቲ ዝተሰርሔ ወምበር ዙፋን ኮፍ ኢሉ፡እቲ ወምበር ድማ ብስኒ ሓርማዝ፡ ብዝበን ብክቡራት አአማንን ዝወቀበ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ብሓሙሻይ ዘመን ልምዳዊ ኣቆጻጽራ ሓወልቲ ዝዩስ ዓነወን በረሰን። ሓወልቲ ናይ ‘ዝዩስ’ ኣብ ኦሊምፕያ
4) ቤተ-መቕደስ ኣርጤምስ – እዚ ዝርከቦ ቦታ ኣብ ኤፌሶን (ናይ ሕጂ ቱርኪ) ኮይኑ ግሪኻዊ ቤተ-መቕደስ ኣርጤምስ ንኽብሪ ነታ ኣንስተይቲ (ኣደ) ኣምላኾም ኣርጤምስ (ዳያና) ተባሂሉ (ተወፍዩ) ዝተሰርሔ ህንጻ ኢዩ። እንተኾነ በብጊዚኡ ብምኽንያት መጀመርያ ማይ ኣይሂ ወይ ዉሑጅ፡ ካልኣይ፡ ብተንኮል ዝተገብረ ባርዕ ሓዊ፡ ሳልሳይ ድማ ብናይ ጀርመናውያን ወራር ስለዝዓነወ ምንም’ኳ ከም ብሓድሽ 3 ጊዜ ሙሉእ ብሙሉእ ደጋጊሞም እንተሃነጹዎ፡ ኣብ መጨረሻ ግና ናይ ምዕናው ዕጭኡ ግድን ስለዘይተረፎ ብ401 ዓ/ም ል.ኣ. በረሰ። ቤተ-መቕደስ ኣርጤምስ
5) ሞሶልየም ሃሊካርናሱስ – ሞሶልየም (mausoleum) ትርጉሙ መቓብር ቤት (ስድራ ዝቕበሩሉ መቓብር ወይ ልዕሊ ጽፍሒ መሬት ዝተሃንጸ ህንጻ መቓብር) ኮይኑ መበቆሉ ናይዚ ቓል ካብቲ ናይ ፋርስ (ናይ ሎሚ ኢራን) ኢምበራጦርያዊ ክፋል ግዝኣት ዘመሓድር ዝነበረ ማውሶሉስ ዝስሙ ፋርሳዊ ምስሌነ ስም ዝመጸ ኢዩ። እዚ ናይ መቓብር ህንጻ ካብ 353 ክሳብ 350 ዓ/ም ቅ.ል.ኣ. ዘሎ ጊዜ መራሒ ማውሶሉስ ኣብታ ዘማሓድራ ግዝኣት ዓዲ ሃሊካርናሱስ እትበሃል (ሕጂ ኣብ ቱርኪ እትርከብ) ንዑዕን ንሓፍቱ-ሰበይቱ ኣርቲዝሚያን (ሓፍቱ ኮይና ሰበይቱ እዉን) ንመቓብሮም ተባሂሉ ዘህነጾ ህንጻ ኮይኑ በቲ ናይቲ ሽዑ ጊዜ ኣለዉ ዝተባሃሉ ግሪኻውያን ናይ ህንጻ ኪኢላታት ሳቲሮስን ፒትየስን (ካብ ፕሪን ዓዲ) ዝተባሃሉ ኪኢላታ ተነዲፉ ዝተሃንጸ ኢዩ። እንተኾነ እዚ 45 ሜትሮ ዝንውሓቱ ዘገርም ህንጻ ከምዝነበረ ዝንገረሉ ትካል፡ ብተኻታትሊ ካብ 12 ክሳብ 15 ል.ኣ. ዘሎ ዘመናት ቀጻሊ ብዝወረዶ ምንቅጥቃጥ መሬት ምኽንያት ዓኒዉ በረሰ።
ሞሶልየም ሃሊካርናሱስ
6) ግዙፍ ሓወልቲ ናይ ሮድስ – እዚ ኣዝዩ ግዙፍ ዝኾነ ምስሊ ሓወልቲ ምእንቲ ክብሪ ናይ’ቲ ግሪኻውያን ናይ ጸሓይ ኣምላኽ ኢሎም ዝኣምንዎ ‘ሂልዮስ’ ተባሂሉ ኣብ ደሴታዊት ከተማ ሮድስ ብኪኢላ ወቓሪ ካረዝ (ካብ ሊንዶስ ዓዲ) ብ280 ዓ/ም ቅ.ል.ኣ. ካብ ነሓስ ዝተሰርሔ ሓወልቲ እዩ። ነዚ ግዙፍ 30 ሜትሮ ዝቚመቱ ሓወልቲ – ዳርጋ ክንዲ ናይ ኑ-ዮርክ ኣሜሪካ ‘ሓወልቲ ሓርነት’ ዝቚመቱ – መስሪሒኦም ምኽንያት ነበርቲ ደሴት ሮድስ ኣብ ልዕሊ’ቲ ክወርር ኢሉ ዝመጸን ዓመት መመላእታ ንዓዶም ኣብ ከበባ ዘእተወን መራሒ ናይ ቆጵሮስ (ንጉስ ኣንቲጎነስ ቀዳማይ – ብዓል ሓደ ዓይኒ) ብኲናት ተዋጊኦም ስለእተዓውቱ ሓጎሶም ንምግላጽ ተባሂሉ ኢዩ። እንተኾነ እዚ ግዙፍ ሓወልቶም ዋላ’ቲ ናይ ጸሓይ ኣምላኾም (ሂልዮስ) የለኻን ኢኻ ግዲ ኢሉዎ’ዩ መስለኒ ንሱ’ውን ብ226 ዓ/ም ቅ.ል.ኣ. ብምንቅጥቃጥ መሬት ሃደሽደሽ ኢሉ ዓነወ።
ግዙፍ ሓወልቲ ናይ ሮድስ
7) ፋና-ቤት ናይ እስክንድርያ – እዚ ካብ 120 ክሳብ 137 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኣብ ከባቢ ደንደስ ባሕሪ ዝቖመ ንመራኽብ ወይ ንባሕረኛታት ብፋና ብርሃን ዝመርሕ ትካል ህንጻ፡ ኣብ ትሕቲ ንግስነት ጦለሚ ኣብቲ ካብ 280 ክሳብ 247 ዓ/ም ቅ.ል.ኣ. ዘሎ ጊዜ ዝተሃንጸ ትካል ኢዩ። እቲ ፋና-ቤት ብቐትሪ ናይ ጸሓይ ብርሃን ብመስትያት ጌሩ ኣንጸባሪቑ መራሒ ምልክት ክህብ እንከሎ፡ ብለይቲ ድማ ቃልቃል ዝብሉ ዕንጨይቲ እንዳንደደ ብተማሳሳሊ መስትያት ብምጥቃም ኣንጸባሪቑ መራሒ ምልክት ይህብ ነበረ። ከምዝበሃሎ እንተኾይኑ ድማ ክሳብ ካብ 56 ኪ.ሜ. ራሕቂ ማዕዶ ይርአ ነበረ። እቲ ተሰሪሑ ቆይሙዎ ዝነብረ ቦታ ድማ ኣብቲ እምነ-ኖራዊ (እምኑ እምነ-ኖራ ዝኾነ) ደሴት ፌሮስ ፊት ከተማ እስክንድርያ፡ ግብጺ ነበረ። እዚ ናይ’ቲ ጊዜ’ቲ ኣብ ዓለምና ዝነውሐ ወዲ ሰብ ዝሰርሖ ትካል ህንጻ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ትካል’ዚ ዋላ’ኳ ንሓያለ ዘመናት ከይፈረሰ እንተጸንሔ፡ ሰለስተ ጊዜ ካብ 956 ክሳብ 1323 ዓ/ም ል.ኣ. ዘሎ ጊዜ ብምንቅጥቃጥ መሬት ተወቒዑ ከቢድ ብልሽት ስለዘጋጠሞ ናብ ዑና ተቐዪሩ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮነ። ብዕድመ ግን ካብቶም 7 ጥንታውያን ኣገረምቲ ብሳልሳይ ደረጃ ንዝነውሐ እዋን ከይፈረሰ ዝጸንሔ ህንጻ ኢዩ (እቶም 2 ብዕድመ ቀዲሞሙዎ ዝርከቡ ሓደ እቲ ክሳብ ሕጂ ቆይሙ ዘሎ ፒራሚድ ናይ ጊዛ ኮይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ሞሶልየም ሃሊካርናሱስ ኢዩ)።
ፋና-ቤት ናይ እስክንድርያ
תגובות