top of page

ዝባን ሥእልታተይ !!

Writer's picture: The Gee'z TimesThe Gee'z Times

እቱ ጸሊምን ጻዕዳን ሕብራዊ ምሥልታት

እናሻዕ ዝቕየር፣ ዕድመ ፍጻመታት፣

ኣሣእል ንእስነት፣ ገንጺለ ገናጺለ

ገለስ ትርጒም ረኺበላ ሎሚ፣ ገለ ኮዊነ ገለ፣

እዋይ ከም ገለ ገለ ...........

ገማጢለዮ ኣብ ዝባኑ ዝገደደ

ርእሰይ ድሕሪት ገጹ ዝሰደደ።

ዝባን ሥእልታተይ ...........

ዝባን ሥእልታተይ ዘሎ መዘከርታ

ናይ ንእስነት እዋን ገና ኣብ መፈለምታ፣

ዝደረቐ ዕላል ዘይጠፍእ ክምስታ

ናይ ዓርከ መሰታ፣ ናይ ዓርከ መሰታ ፈጢሩ ትዝዝታ።

ተሣኣልናላ ግዜ መዓልታ ዕለታ፣ ዓመተ ምሕረታ

ኣብኡ ተመዝጊቡ፣ ዝባን ሥእሊ ካልእ ሥእሊ ሂቡ

ዝባን ሥእሊ ካልእ ሥእሊ ሂቡ ~ ካልእ ሥእሊ ሂቡ......

ካልእ ሥእሊ - 'ቲ ሰብ እምበር ሥእሊ ከም ዘይበሊ

ካልእ ሥእሊ - ' ቲ ሥእሊ እምበር ፍቕሪ ከም ዘይበሊ

ካልእ ሥእሊ - 'ቲ ሥእሊ እምበር ታሪኽ ከም ዘይበሊ

ካልእ ሥእሊ - ዝባን ሥእልታተይ ዛንታ ንእስነተይ

ናይ መታዓቢተይ......

መዘከርታ ናተይ ናይ መታዓቢተይ (3)


ዮውሓንስ ትኳቦ (ወዲ ትኳቦ ) ~ እቱ ፍላስፋ !!!



3 views0 comments

Recent Posts

See All

ፍልስፍናን ንሕናን😇

#ፍልስፍናን #ንሕናን😇 (ክፋል 1) ኣክሱም ንሃገር ኮነ ንዓለም ዝበርከተቶም ውህብቶታት ቆፂርካ ዝዉድኡ ኣይኮኑን። ብፍሉይ ክዓ ሃገረ #ኢትዮጰያ ኣለውኒ ትብሎም ትውፊታት መብዛሕቲኦም ካብ #ባህሊ ክሳብ #ሃይማኖት ፤...

ዘርዓያቆብ (ዘርአ ያቆብ)መን እዩ❓

#ፍልስፍናን #ንሕናን (ክፍሊ 2)😇 ...........ዝቀፀለ. #ዘርዓያቆብ መን እዩ❓ ብዙሓት ሰባት #ኣፄ ዘርዓያቆብን #ፈላስፋ ዝርዓያቆብን ሓደ ገይሮም እዮም ዝወስድዎ።🙌😂 #ኣፄ ዘርዓያቆብ ኣፄ ዘርዓያቆብ ብ...

Comments


Post: Blog2 Post

THE GE'EZ TIMES

Subscribe Form

Thanks for submitting!

  • Facebook
  • Twitter
  • Instagram

©2018 by The Ge'ez Times. Proudly created with Wix.com

bottom of page