እቱ ጸሊምን ጻዕዳን ሕብራዊ ምሥልታት
እናሻዕ ዝቕየር፣ ዕድመ ፍጻመታት፣
ኣሣእል ንእስነት፣ ገንጺለ ገናጺለ
ገለስ ትርጒም ረኺበላ ሎሚ፣ ገለ ኮዊነ ገለ፣
እዋይ ከም ገለ ገለ ...........
ገማጢለዮ ኣብ ዝባኑ ዝገደደ
ርእሰይ ድሕሪት ገጹ ዝሰደደ።
ዝባን ሥእልታተይ ...........
ዝባን ሥእልታተይ ዘሎ መዘከርታ
ናይ ንእስነት እዋን ገና ኣብ መፈለምታ፣
ዝደረቐ ዕላል ዘይጠፍእ ክምስታ
ናይ ዓርከ መሰታ፣ ናይ ዓርከ መሰታ ፈጢሩ ትዝዝታ።
ተሣኣልናላ ግዜ መዓልታ ዕለታ፣ ዓመተ ምሕረታ
ኣብኡ ተመዝጊቡ፣ ዝባን ሥእሊ ካልእ ሥእሊ ሂቡ
ዝባን ሥእሊ ካልእ ሥእሊ ሂቡ ~ ካልእ ሥእሊ ሂቡ......
ካልእ ሥእሊ - 'ቲ ሰብ እምበር ሥእሊ ከም ዘይበሊ
ካልእ ሥእሊ - ' ቲ ሥእሊ እምበር ፍቕሪ ከም ዘይበሊ
ካልእ ሥእሊ - 'ቲ ሥእሊ እምበር ታሪኽ ከም ዘይበሊ
ካልእ ሥእሊ - ዝባን ሥእልታተይ ዛንታ ንእስነተይ
ናይ መታዓቢተይ......
መዘከርታ ናተይ ናይ መታዓቢተይ (3)
ዮውሓንስ ትኳቦ (ወዲ ትኳቦ ) ~ እቱ ፍላስፋ !!!
Comments